“ኣብ መዓልቲ ንሾመንተ ሰዓታት ምሉእ ክትበልዕ ወይ'ውን ንሾመንተ ሰዓታት ምሉእ ክትሰቲ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንሾመንተ ሰዓ ታት ክትገብሮ እትኽእል፡ ምስራሕ'ዩ”።“ውላም ፎልክለር”


ምናልባት ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተቐዳዲምና ክንዛረባ እንኽእል ነገር፡ ንሾመንተ ሰዓታት ድኣ፡ ክንድቅስ እኳ ንኽእል ዝብል ክኸውን ይኽእል። ልክዕ ሓሳብ'ዩ። ንሾመንተ ሰዓታት ንድቅስ ኢና። እቲ ድቃስ ግን ንሾመንተ ሰዓታት ወይ'ውን ንልዕሊኡ፡ ምስ ሰራሕና ዝመጽእ'ዩ። ድቃስ ከኣ ድቃስ'ዩ፡ ካብ መሰጋገሪ ወይ ከኣ ካብ ዳግም ሓድሽ ሓይሊ ዝፈጥር ኵነታት ዝሓልፍ ኣይኮነን። እቲ ኣውራ ቍምነገር ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ እምበኣር፡ ንደቂ ሰባት ኣብዚ ዓለም'ዚ ፍሉያት ዝገብረና ስራሕ ምዃኑ ንምብራህን ክንሰርሕ ከም ዘለና ንምሕባርን'ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ስራሕ ወሳኒ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ። ዘይሰርሕ ኣይወለድ'ዩ። ኣብ መዓልቲ ንሾመንተ ሰዓታት ምሉእ ክንበልዕ እንተፈቲና ብዅሉ ሸነኻቱ ዘይግብራዊ'ዩ። መጀመርያ ብተኸታታልን ብዘይምቍራጽን ንሾመንተ ሰዓታት ዘብልዕ ኣካላዊ ኣፈጣጥራ ይዅን፡ ንኽንድኡ ግዜ ዝብላዕ ትሕዝቶን ፈጺሙ የብልናን። ድሓር ኸኣ ንሕናስ ይትረፍ ሓሸማ እኳ ንኽንድኡ ዝኣክል ግዜ ወይ ሰዓታት ብዘይዕረፍቲ ክበልዕ ዝኽእል ኣይመስለንን። ንሾመንተ ሰዓታት ንበልዕ'ኸ ነቲ ንበልፆ ዘምጽእ ምንጪ ህይወትና ዝኾነ “ስራሕ” መዓስ ክንሰርሖ? ብኻልእ ሸነኽ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ገለ ድኹማት ሰባት “ንሾመንተ ሰዓታት ድኣ ክንሰቲ እኳ ንኽእል” ይብሉ ይኾኑ። ፈለማ፡ ንሾመንተ ሰዓታት ክንሰቲ ኣይንኽእልን ኢና፡ ክብል ከሎ ዊልያም ፎልክለር ንማይን ዘይኣልኮላዊ ፈሳስን ማለት'ዩ። ግድን ንኽርክር ተባሂሉ “ኢሂ ኣልኮልከ ዝስተ ነገር እንድ'ዩ፡” እንተተባህለ'ውን፡ ኩሉ ግዜን ብተኻታታሊ ክኸውን ዘይክእል ነገር'ዩ። እንተፈቲንካዮ ኸኣ ዳርጋ ነብስኻ ባዕልኻ ከም ምቕታል'ዩ። ዝኾነ ኮይኑ እቲ ዝከኣል፡ እቲ ግቡእ፡ እቲ ፍረ ጻማና ንረኽበሉ፡ እቲ ንኾርዓሉን ነዅርዓሉን፡ ኣብ መዓልቲ ንሾመንተ ሰዓታት ምሉእ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ምስራሕ'ዩ። ስራሕ ክብረት'ዩ እሞ ንስራሕ። ምስ ሰራሕና ክንደክም ኢና። ሽዑ ግና ንድቅስ።

“ኣብ መዓልቲ ንሾመንተ ሰዓታት ምሉእ ክትበልዕ ወይ'ውን ንሾመንተ ሰዓታት ምሉእ ክትሰቲ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንሾመንተ ሰዓ ታት ክትገብሮ እትኽእል፡ ምስራሕ'ዩ”።

“ውላም ፎልክለር”