ሚዛን ኤርትራ-Balance Eritrea
ኣብ ሚዛን ኤርትራ ኩሉ መዳያት ህይወት ኣሎ፤ ኩሉ ኸኣ ብሚዛን። ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ውልዕ ኢሎም ዝጠፍኡ ነጥብታት ግዲ ኣይውሃቦምን እዩ። ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ታሪኻዊ ዕምቖት፡ ትዕዝብቲ፡ ባህሊ፡ ስፖርት፡ ብቐንዱ ህይወትን መልክዓታን ይጸባረቑ። ሰብ ብጻዕሪ፡ ብጽንዓት፡ ብባህሊ፡ ብመለለይኡን ብሓቂን ይልለ፤ ኩሉ እዚ ነጥብታት እዚ ኣብዚ ገጽ እዚ ብሕልና ይፍተሽ። መንነትና፡ ናብራና፡ ስራሕናን ዕድልናን ረቒቑ ይንጸባረቕ። ካብ ኤርትራ ሓሊፍና ምስ ካልኦት ዓለማዊ ሓቅታት ዘለና ምትእስሳራት ይድህሰስ። ብሕጽር ዝበለ፡ ትርጉምን ሚዛንን ዘለዎ ህይወት ከመይ ይመስል ብዕምቆት ይርአ። ሚዛን ማለት ቀሊል ገዲፍካ ከበድቲ ኣርእስታት ህይወት ምድህሳስ ማለት እዩ።
ኣይፈለጥካዮን ንኣምላኽ! — ብግርማይ ደበሳይ
(ታሕሳስ 29, 2014 ተጻሕፈ)
ተጋጊኻ፥ ዝኑበይ!
ብጽሙእ ጎሮሮ፥
ብጥልቑዕ ከብዲ፥
ብዕሩቕ ዝባን፥
ብዝተገፍዐ ነብሲ
ዝተሰርሐ መንገዲ፥
ከመይ ጋጊኻዮ?
እዚ መንገዲ ሓቂ፥
መንገዲ ሕውነት፥
መገዲ ጽድቂ
ድሙቕ ከሎ፥
ከምዛ ጽሓይ በሪቂ!
ከመይ ስሒትካዮ?
ነዛ ድኻ ነብስኻ ሰማይ ሰቒልካ፥
ሰብ ታሕቲ ከተውርድ?
እዋይ ክትደፍር!
በል ክንዲ ንምብርከኽ፥
ብኣኻ ንርገጽ፤
ምስ ክብሩ ሰፍሪና፥
ኣብ ሓደ ገጽ!
ተመስገን ኣምላኽ!
ተጋጊኻ ዘነበ፥
ተጋጊኻ ዝኑበይ!
ኣፈለጥካዮን ንኣምላኽ!
ንጠቢባን ኣጽቢቡ፥
ድኻታቱ ዘዕገብ!
ኣይፈለጥካዮን ንላዕሊ!
ጥቓ ተሰባሪ —
ምስ ሰይጣን፥
“ሰይጣን ምኻን’ዩ!” ዘዋጽእ ኢለ
ከም ናቱ፥ ሰይጣን ተቐይረ
ነዲረ ክቐትሎ
ከሊአዮ መድሎ!
ንሱ ግን፥
እከይ እንድዩ
ከይዱ ተሓቢኡ፥
ጥቓ’ቲ ሉል
ከስብረኒ ክቡር!
ሰይጣን፥
ካብ ኲሉ መጋብሩ
ብምንታይ የሕርቐኒ?
ክሕባእ ከሎ ጥቓ ተሰባሪ!
ብግርማይ ደበሳይ
(ሕዳር 30, 2014 ተጻሕፈ)
ተደርቢሽካ እንዲኻ ድዱዕ!
ካብ ቤተይ ሓሊፈ፣ ኣበይ’የ ከንብረን?
ኣብ’ዚ ከብሒ’ምበሪ፣ ጽቡቕ ጌረ ‘ረበን!
ገሊአን ሙቁራት፣ ሒዘ ዘይገድፈን፣
ገሊአን ዓሞቕቲ፣ ምርምር ዝበዝሐን፣
ገሊአን’ሞ ሰብ’የን! ‘እሙን’ ዘየርክበን፣
ኣዕሩኽተይ-ትንፋሰይ፣ ኢለ ‘ንድየ ሰምየየን!
ሰሊኹወን እንዶ’ሞ፣ ሰራዊተ-ድዱዕ፣
ገሪሙኒ ዘሎ፣ ክቕልጥፍ ከዘንግዕ፣
ሙቖት ረኺበ ኢሉ፣ ንዕአን ክፍርፍዕ?
ከብደይ ብጥልቅዕታ፣
ዝባነይ ዕርቕቲ፣
ጸኒዐ እናበልኩ፣
ሳላ ‘ዘን መጽሓፍቲ!
ድዱዕ ክወረን? ድዱዕ እዚ ዘማቲ?
ብዘይምጻእ’ዩ መጺኡኒ፣
ዓቕለይ ኣወዲኡ ተፈታቲኑኒ፣
ኣየርእየሉ ኸኣ፣ ከምልጥ ይጎይ፣
ዘርኢ ወለድኡ፣ ክወስድ ናብ ከውሊ!
ንዓ ድኣ ሕጅስ ተረገጽ ተዓምጠር፣
መላስ ኣውያት ዘይብልካ፣
ኣብዚኣ ኢኻ ትቕበር!
ተደቢሽካ እንዲኻ ድዱዕ!
ብግርማይ ደበሳይ
(መስከረም 26, 2014 ተጻሕፈ)
ፈላሲ
እቲ ዝመነነ፡
ደብሪ ዝደየበ፡
እቲ ዝመንኮሰ፡
ኣምላኽ ዝመረጸ፡
ዓለብኡ ዶ ልቡ—
ኣየናይ ይጽዕዱ፧
ንሱ—
ሓቂ፡
እምነት፡
ሰማይ፡
ምስ መረጸ—
ብዙሕ እንተተረግጸ፡
ጥልቕዕ ኢሉ ሓምሊ እንተቐበጸ፡
ናብራ እንተመረሮ፡
ገጹ እንተዓጠረ—
ብጽምኢ፡
ብጥምየት፡
ብጽሓይ፡
ብቑሪ፡
ሓመድ እንተመሰለ—
ክዳን ኣለዎ!
ክዳን ውሽጢ፡
ሓቒቕ ዝመልስ
ሕልናዊ ልቢ!
ኵሎም ሰይጣውንቲ
ቦንቒሩ ዝድርቢ!
እወ—
ብንቑጽ ጎሮሮ
“ተመስገን!” እናድመጸ፡
መኒኑ’ሎ ፈላሲ፡
መጺኡ’ሎ ፈላሲ—
ክተኽላ’ታ ፈልሲ፡
ከዐምራ ደብሪ!
ብግርማይ ደበሳይ
“ሓይሊ ስራሕን ሓይሊ ሓቦን!”-ኣብ ናቱ ወለዶ፡ ናቱ ግደ ተጻዊቱ ክንሱ……
“ኣብዛ በራሲት ህይወትና፡ ዘይበርስ ስም ሰሪሕና ምሕላፍ።”
ንኣቶ ጆቫኒ ማትሶላ፡ ፈለማ ዝርኣኽዎ ኣብ ቅድድም ብሽግሌታ እዩ። ብዛዕብኡ ምንም ኣፍልጦ ኣብ ዘይነበረኒ፡ ኣብ ኮርሶ ኔው ነጀው እናበለ ክነጥፍ ዝርኣኽሉ ግዜ፡ ንተቐዳደምቲን ነቲ ቕድድምን ሰናይ ነገር ይገብር ከም ዝነበረ ቀልጢፉ ተረዲኡኒ። ጸጸኒሐ ምስ ተኸታተልክዎ ኸኣ፡ ንርእሱ ተቐዳዳማይ ከም ዝነበረ፡ ነቲ ስሩት መሰረት ቅድድም ብሽግሌታ ከዕዝዝ ከኣ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ደገፍ ይገብር ከም ዝነበረ ክግንዘብ ጀሚረ።
“ኣብ ናቱ ወለዶ፡ ናቱ ግደ” ተጻዊቱ ክንሱ፡ ኣብ ድሕሪኡ ዝመጹ ተኸታተልቲ ወለዶታት ቅድድም ብሽግሌታ ኸኣ ገጂፍ ደገፍ ጌሩ፡ ክንዮ ዝግብኦ ዝዓየየ፡ ሕሉፍ ዜጋን ኣቦን እዩ። ኣብ ቀጻሊ ንጥፈት ከም ዘሎ ብዘካይዶ ምንቅስቓስ ዝፍለጥ ጆቫኒ፡ ቅድድም ሞተር ሳይክልን መኪናን ዳግም ክትስእ ኣጸቢቖም ካብ ዝደኸሙ ሓላፍነታውያን ሰባት ሓደ ምዃኑ ንርእሱ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዓይነት ስፖርት ፍቕሪ ዝነበሮ፡ ኣብ ፍቕሪ ከይተደረተ ኸኣ ንምጉልባቱ ናይ ዘለዎ ዝጽዓተ ኣርኣያ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። እዚ፡ እቲ “ኣብ ግዜ ስፖርትን” “ኣብ ግዜ ብርሕቐትን” ዝፈልጦ ዝነበርኩ ጆቫኒ እዩ።
እቲ ብቐረባ ዝፈለጥክዎ ጆቫኒ ኸ፧ እቲ ብቐረባ ዝፈለጥክዎ ጆቫኒ፡ ካብቲ ብርሕቐት ዝፈልጦ ጆቫኒ ኣጸቢቑ ዝበለጸ ሰብ ኮይኑ እዩ ጸኒሑኒ። ጆቫኒ ህርኩት እዩ—ሓያል ሰራሕተኛ! ንተደራቢ ንጥፈታቱ ምስቲ ናይ ስፌት ስርሑ የካይዶ ምንባሩ ዝፈለጥኩላ መዓልቲ፡ “ኣንታ እዚ ሰብኣይ ከመይ ጌሩ እዩ ንኵሉ ዘረኻኽበሉ؟” እየ ኢለ። “ዝጸምዶ ስራሕ እባ ኸኣ ኣለዎ” ኢለ ግን ኣይኮንኩን። እቲ ዝያዳ ዝገረመንን ዝመሰጠንን፡ ኣብቲ ሞያኡ ዝነበሮ ፍቕርን ጽፈትን እዩ። ንስርሑ ሰጥ ኢሉ “ብግዜ”፡ “በሰራርሓ”፡ “ብመትከል” ይዓይይ። ግጅርዕ-ግጅርዕ ዝብሃል ነገር ወይ ወጀሃላ ኣተሓሕዛ ዕዮን ቆጸራን ኣብ ጆቫኒ ቦታ ኣይነበሮን። ኣብታ ስርሑ እትው ኢልካ፡ እታ ዝእዝዘልካ ሻሂ ድያ ካፕቺኖ ኣሰኒኻ፡ ገለ ወሰንቲ ምዕራፋት ህይወትን ኣሰራርሕኣን ከይሓዝካ ኣይትኸድን ኢኻ። ስለዚ ጆቫኒ ህርኩት፡ ጽፉፍ፡ ውፉይ፡ መትከል ዘለዎ ሰራሕተኛ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መምህር ለውሃትን መምህር ምዕራፋት ህይወትን እዩ ነይሩ።
ጆቫኒ ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሰናያቱ።
ሓንቲ ካብ መሰጥቲ ሰናያት ጆቫኒ ማትሶላ፡ ነታ ኣብ ኣብ ኣፍሪቃ መሰታ ዘብላ ንእስእስ ዝበለት ጽብቕቲ ከተማና ኣስመራ፡ ብፍዮርን ኣትክልትን እናሰለመ መመሊሱ ከቕንጅዋ ብናይ ገዛእ ርእሱ ድኻምን ዋጋን ዝጎዮ ዝነበረ ጉያ መስተንክር እዩ። ኣብ ሓንቲ ዕላልና፡ እቲ ጻዕሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘይተሓጽረ፡ ናብ ካልኦት ከተማታትና እውን ብመደብ ይሰርሕ ምንባሩ ምስ ነገረኒ፡ “ከምዚኣቶም ሰባት ብብዝሒ እንተ ዝህልዉስ፡ ብዙሕ ካብ ጸገማትና ምተቓለለ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ጸገም እውን ኣይምቦቖለን” ኢለ።
ሎሚ እዛ ዘይትጠቕም ሕንጣጥ ዝሕንጥ ዘለኹ፡ ብምሕላፍ ክብሩ፡ ዕዮኡ ዝዛዘመ ጆቫኒ ማትሶላ ምኽንያት ጌረ እየ። እምበር ንጆቫኒ ዝገልጽ ታሪኽ ይጽሓፍ እንተ ዝብሃልሲ፡ ክንደይ ሰናይ ነገራት ዝሓቖፈ ዛንታ ኮፍ ኢሉ፡ ጽቡቕ ንዝብህግ ሰብ መኣዛ መግብታት ህይወት ምኾኖ።
ኣብ ምዝዛም እዛ ጽሕፍቲ ሓንቲ ከይረሳዕክዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ከባድ ነጥቢ፡ ኣብ ዕዮታት ጆቫኒ ማትሶላ ዕንቅፋታት ዘይነበረ፡ ዘዝሕዞ ስራሕ ከኣ ሰለል እናበለ ዝሰልጦ ከይመስለኩም። ንኸቢድ ዕዮታቱ “ከቢድ ሓቦን ከቢድ ጻዕርን ከይበቐቐ ስለ ዝሃበ እዩ” ሎሚ ብጽቡቕ ስሙ ክንዝክሮ ንግደድ ዘለና። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ተንብቡ ዘለኹም፡ ካብ ጆቫኒ ንምሃራ ሓንቲ ነገር፡ “ኣብዛ በራሲት ህይወትና፡ ዘይበርስ ስም ሰሪሕና ምሕላፍ እዩ።”
ኣቶ ጆቫኒ ማትሶላ ኸኣ፡ ብበረኸት ኣምላኽ ዕረፍቲ ርኸብ ኣብቲ ዘለኻዮ—ኣሜን!
ሓውኻ ግርማይ ደበሳይ -ተጻሕፈ ሚያዝያ 2021
ሰብን ቋንቋን-
ብ ግርማይ ደበሳይ ሃብተጽዮን
ሓደሓደ ግዜ- ሰብን ቋንቋን ዘይፈልየሉ ግዜያት ኣሎ። ሓንሳብ ቋንቋ ሰብ ይኸውን፣ ሓንሳብ ከኣ ሰብ ቋንቋ ይኸውን። ሓደ ሓደ ግዜ ቋንቋ ምስ ሰብ ይባኣስ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ሰብ ምስ ቋንቋ ይብኣስ። ቋንቋን ሰብን ከምዚ ማናቱ ኮይኖም እዮም ዝስምዑኒ። ኣብ ቋንቋ ዘለኒ ብርቱዕ ድሌትን ንኽፈልጦ ዘለኒ ምህንጣይን ወሰን የብሉን። መዋእለይ ተመራሚረ ንቋንቋ መዕለቢ ከምዘይገብረሉ ዘይኮንኩስ፣ ብድሕረይ ዝመጹ ዘይነጽፉ መወዳእታ ዘይብሎም ወለዶታት እውን ንቋንቋ ኣብ መዓሙቑ በጺሖም ክርድእዎ ኣይኮኑን። ሰብ- ኣብ ፍቖዶ ህዋን ጠፈርን እናተወናጨፈ፣ ልክዕ ከምቲ ነዛ ውሽጡ ዘይፈለጣ- ነዛ ቋንቋ እውን- ምስጢራ ኣይኽፈልጣን እዩ።
ኣብ ኣዘራርባና መዓስ ኢና ቁጠባ ቃላት ከነተኣታቱ፧ መዓስ ኢና ነታ ተድልየና ጥራይ ሓሳብ ብውሑዳትን ምጡናትን ቃላት ክንብላ፧ እዚ ክልተ ሕቶታት እዚ ናብ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶ ከስግረና ይኽእል፧ ሰባት ኣብ ግዜ ሽግርን ጸቕጥን ዲና ኣብ ግዜ ሰላምን ቅሳነትን ኢና ሓሳብና ብግቡእ ንገልጽ፧ ድምጽናን ቃላትናን ኣብ ከመይ ኩነታት እዩ ዝቖራረጽ፧ ቃላት ስምዒታት ክጽዓንዎም ከለዉ ከመይ ጌሮም ይጸርዎም፧ ቋንቋ ብኸመይን ስለምንታይ እዩ፡ ምስ ኩሉ ዝተፈላለየ መዳያት ህይወት ተለማሚዱን ተሳንዩን ዝኸይድ፧
ኣብ ወሳኒ ንግዳዊ ዕዮታት ዝካየድ ሓድሕዳዊ ዝርርብ ንምንታይ እዩ ሓጺርን ንጹርን ዝኸውን፧ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ፡ ኣገዳሲ መልሲ ኣለዎ።
ምኽንያቱ ዘይድሊ ቃላት ነገራት ስለዘጓቱ እዩ። ኣብ ንግዲ ቃላት ይውሕዱ፣ ይጥረንፉ፣ የሳልጡ። ስራሕ እንተሎ ዘረባ ውሒዱ ኣሎ ማለት እዩ። ስራሕ እንተዘየለ ኸኣ ዘረባ ይበዝሕ፡ ፍረ ኸኣ የብሉን። ኣብ ግዜ ስራሕ ግና ዘየድሊ ቃል ዘረባን ቦታ የብሉን፡ ይእለ፣ ይጉሓፍ፣ ቅቡል ኣይከውንን። ዝነግዳ ሃገራት ኣይዋጋኣን እየን ይብሃል እዩ። ዝነግዱ ዘለዉ ክልተ ሰባት እውን፡ እንካን ሃባን እያ ዘረብኦም፡ ብውሑድ ቃላት እናተዘረረቡ ከኣ፡ ንጥፈታቶም ብቕልጡም የቅንዑ።
ሰብ ሓደገኛ ወይ ከኣ ከቢድ ሓሳብ ክገልጽ ክፍትን ከሎ፡ ወልደፍደፍ ዝብል፡ ቃላትን ዘረባን ጠፊእዎ ዘይኮነስ፡ እቲ ዘሰላስሎ ዘሎ ሓሳብ ኣብቶም ቃላት ክጽዓን ስለ ዘይክእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ጽዕነት ናይቲ ቋንቋ ኣዝዩ ክቢድ ስለ ዝኾነ፡ ልክዕ ከምቲ ብኸቢድ ጽዕነት ኣብ መሬት ተደፊኡ ንቕድሚት ክንቀሳቐስ ዘይክእል ኣድጊ፡ ንሕና እውን ብክብደት ናይቲ ቃል ተደፊእና ኣፍና ተዓቢሱ ምዝራብ ንስእን። ስቕ በሃልትን ካብ ብዙሕ ነገራት ቁጥባትን ሰባት፡ ንቋንቋ ጠምጠም እዮም ዝብልዎ። ግብሩ በሊዓቶ ዘረባ ጠፊእዎ ዝብሃል ኣገላልጻ እውን ኣሎ። ኣብ ካልእ መልክዕ እንተ ረኣና ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተመጣጣኒ ፍልጥትን ተመክሮን ዘለዎም ሰባት ዝካየድ ዝርርብ፡ ስሉጥ፣ ኣድማዒ፣ ምጡን ቃላት ክርኣዮ ከሎ፤ ንሓደ ካብኣቶም ምስ ካብኡ ዝንእስ ፍልጠትን ተመክሮን ዘለዎ ሰብ ከም ዝዛረብ እንተጌርካዮ፡ ክሳብ ዘረባ ዝጠፍኦ ደረጃ እውን ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ናይ ቋንቋ ባህርን ሓይልን ዝገርም ነገር እዩ።
ኣቐዲምና መዓስ ኢና እታ ተድልየና ሓሳብ ጥራይ ጽቡቕ ጌርና ንዛረባ ኢልና ሓቲትና ነይርና። ግድን ዘየላቡ ውሳኔ ኣብ ዘድልዮ ግዜ፡ ኣብ ሓዘን ወይ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ ስራሕ፡ ብዙሕ ኮለል ኣይንብልን ኢና። ምስ ቋንቋ ክሳብ ክንድዚ ምትእስሳር እዩ ዘለና። ዝገርም ነገር ከኣ፡ ኣብ ግዜ ጸቕጥን ሽግርን፡ ቋንቋና ይጽበብ፣ ይቁጠብ፣ ግና ንጹርን ህጹጽን ይኸውን። ሓይሊ ስምዒት ስለዝውስኾ፣ እቲ ቃል ከም ተኹሲ ወይ መጥቃዕቲ ሓጺርን መሪርን እዩ።
በንጻሩ ኣብ ግዜ ሰላምን ቅሳነትን፡ ቋንቋና ካልእ መልክዕ እዩ ዝሕዝ። ተዛኒና ኣንዊሕና ንዛረብ፡ ቃላት ነመቕር፡ ጥበብ ንውስኽ፡ ድምጽና ቃና ይፈጥር። ሰላምን ቅሳነትን ንቋንቋ ልሙዕ መሬት እዩ። ዘይከም ኣብ ሓዘንን ጭንቀትን ትንፋስ ዝሓጽረና፡ ኣብ ሰላምን ህድኣትን ትንፋስ ንረክብ፡ ከም ባህ ዝበለና ከኣ ከም ድላይና ንዛረብ።
“ስርዓት (Discipline) ኣውራ መፍትሕ ህይወት እያ”
— ናፖልዮን ሂል (Napoleon Hill)
ንነብስኻ ብስርዓት ምምላኽ (Self-Discipline) ወሳኒ መሰረትሰብኣዊ ዓወት እዩ። “ንነብስኻ ብስርዓት ምምላኽ” ማለት ግን ብሓቀኛ ትርጉሙ እንታይ ማለት እዩ፧
ኣብቲ ብናፖልዮን ሂል ዝተዋህበ ፍልስፍና ዓወት፦ ንነብስኻ ብስርዓት ምምላኽ ማለት—ነቲ ውሽጣዊ ህንጡይነትካ ካብ መስመሩ ከይወጽእ ምምዕርራይን፡ ብሚዛናዊ መገዲ ኣንፈትካ ሓሊኻ ምጉዓዝን ማለት እዩ። ንነብስኻ ብስርዓት ምምላኽ ማለት፡ ነቲ ዘሎካ ድንፉዕ ድሌት በቲ ቅኑዕ መስመር ከም ዝጓዓዝ ዝገብር ሕጊ ህይወት ምኽታል ማለት እዩ።
ከም ኩሎም ሕግታት ዓወት፡ ንነብስኻ ብስርዓት ምምላኽ’ውን ብቐጻልን ብዘይምቍራጽን ክትለማመዶን፡ ምስ ውሽጣዊ መንነትካ ከተውሃህዶን ዘለካ ህያው ልምዲ እዩ።
ንነገራት ቅድሚ እቲ ዝተወሰነሎም ግዜ ክትፍጽሞም እንተ ጽዒርካ፡ ኣብ ፍጹም ርብርብ ስራሕ “ደኺሙኒ” ኢልካ ምሕላል እንተ ኣቋሪጽካ፡ ነቲ ዝነበረካ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ድማ ቀስ ብቐስ ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ክትክኦ እንተ ጀሚርካ—ንነብስኻ ብስርዓት ኣብ ምምላኽ ዝገብር ጉዕዞ ኣቲኻ ኣለኻ ማለት እዩ። ብዝቐለለ ኣበሃህላ፦ ንነብስኻ ብስርዓት ምምላኽ ማለት፡ ንኣእምሮኻ፡ ንልምድኻን ንስምዒትካን ብምሉእ ምቍጽጻር ማለት እዩ። ነዚ እንተዘይጌርካ -ዓወት ከቶ ናባኻ ገጻ ኣይትመጽእን እያ።
ብስርዓት ምኻድ ማለት፦ ነቲ ክትገብሮ ዝግባኣካ ነገራት፡ ፈቲኻዮ ወይ ጸሊእኻዮ፡ ሰጥ ለበጥ ኢልካ ምፍጻም ማለት እዩ። ንነብስኻ ብስርዓት ምእሳር ማለት ድማ—ውሽጣዊ ሓይሊ ምዕባይ፡ ንቑሕ ወለንታዊ ሓይሊ ምጥራይ፡ ዘቃጽል ውሽጣዊ ድሌት ምውናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝኾነ ዕላማ ክትበጽሕ ከም እትኽእል ንነብስኻ ብእምነት ምንጋር ማለት እዩ።
ነቶም ኣብ ኣእምሮኻ ዘለዉ ብሉጻት ሓሳባት ናብ ግብራዊ ክውንነት ክትቅይሮም እንተ ደሊኻ፡ እቲ ኣውራ መፍትሒ—ንነብስኻ ብስርዓት ከም እትምለኽ ምግባር እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ምስ ተፈጥሮን ሕግታቱን ከይተጻረርካ፡ ንኹሉ ስርዓታታ ኣኽቢርካ ምጉዓዝ ማለት እዩ።
“ስርዓት (Discipline) ኣውራ መፍትሕ ህይወት እያ”
— ናፖልዮን ሂል
ጋዜጠኝነት- ሞይቱ: ተቐቢሩ ድዩ፤ ወይስ ጎይቶት እዩ ቐይሩ፧
-ግርማይ ደበሳይ
ሎሚ ኣብ ዝኸፍትካያ ማዕከን፣ ተጠቕጢቑ ዝጸንሓካ ትሕዝቶ ሓሶትን ኣድልዎን እዩ። ኣብተን ዓበይቲ ዝብሃላ ከም ፎክስ ኒውስ፣ ሲኤንኤን፣ ኤቢሲ፣ ቢቢሲን ካልኦትን፣ ሓቂ ዓዲ ካብ ተርሕቕ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ጋዜጠኝነት ነቲ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ዝፈጥርዎ ግስርጥናን ዝርጋንን ክከተታተል፣ ከነጽር፣ ንህዝቢ ዝግባእ ሓበሬታ ክህብ እዩ ተወሊዱ ነይሩ። እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ዕድሚኡ ግን፣ ሰለይ እናበለ ናብ ፍጹም ሞት ኣብጺሑ ሎሚ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣእትይዎ እዩ።
ሰባት ሬድዮ ከፊቶም ዝተማህርሉ፣ ሓበሬታ ዝረከብሉ፣ ዝተዘናግዕሉ እዋን ነይሩ። ተለቪዥን ተዓዚቦም እውን ከምኡ፤ ጋዜጣ ነቢቦም ከኣ ኣጸቢቑ ካብ ክልቲኡ ዝዓሞቐ ረብሓ ነይርዎ። ኣብ መንገዲ ግን ኩሉ ተበላሽዩ። ረብሓን ዓመጽን ክኣሊ ዝመጸ ጋዜጠኝነት፣ ንርእሱ ግዳይ ኮይኑ ኣብ ረብሓን ዓመጽን ኣትዩ፣ ንረብሕኡ ተቐዳዲሙን። ሽዑ ከኣ እዩ «ወላ ሓደ ጽቡቕ ዜና የለን» ክብሃል ዝጀመረ።
ከልቢ ሰብ ነኺሱ ዜና ኣይኮነን፤ ሰብ ንከልቢ እንተ ነኺሱ እዩ ዜና። ካብ ዝብል እከይ ፈሊጥ ዝነቐለ ሞት ጋዜጠኝነት፣ ሎሚ ንኹሉ ፍጥረት እናናኸሰ መን ንመን ነኺስዎ ደይፍለጠሉ ደረጃ ኣብጺሕዎ ይርከብ። እዚ ሓደገኛ ጉዕዞ እዚ ከኣ ንወዲ ሰብ ኣበይ ከም ዘብጽሖ ምግማቱ ኣየጸግምን እዩ።
ታሪኽን ኣቃውማን ጋዜጠኝነት ቀላልን ሓቅን እያ ነይራ፦ ፈትሽ፣ ሕተት፣ ኣጻሪ፣ ሓላፍነት ውሰድ፣ ንኹሉ ጉዳያት ብኩሉ ኩርንዓት ርኣዮም፣ ህዝቢ ክትገልግል ከኣ ተዓጠቕ። ባርያ ህዝቢ እምበር ባርያ ሰብ ስልጣን ኣይትኩን እያ ነይራ። ሎሚ ግን ኩሉ ተቐይሩ። ፎክስ ኒውስ፣ ሲኤንኤን፣ ኤቢሲ፣ ኤምኤስ ኤን ቢሲ፣ ቢቢሲን ካልኦት ከፊትካ ሓቂ ስኢንካ ሓሶታት ተመጊብካ- ተደናጊርካ ትገብሮ ጠፊኡካ እዩ እካ ትውድእ።
እዚ ዝከውን ስለ ዘሎ ከኣ ኣብ ዓለም ፍጻሜታት ስለ ዘየለዉ፣ ብዛዕብኦም እውን ሓበሬታ ስለዘየለ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ከም ቀደም እዩ ዘሎ፤ ሰባት ኣለና፣ ንነብሮ ኩነታት ኣሎ፣ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኩሎም ዓይነታት ኩነታትን ርክባትን ግጭታትን ኣሎ። ስለዚ ሓበሬታ ኣይተሳእነን፣ ነሓበሬታ ኣብ ክንዲ ንረብሓ ህዝቢ፣ ንረብሓ ሰብ ተለዊጡ። እወ፡ ጋዜጠኝነት ዕላማ እዩ ቀይሩ። ኣብ ክንዲ መሳርሒ ሓቂ፣ መሳርሒ ሓሶት ክከውን እዩ ወጊኑ፤ እዚ ዘሕዝን ከኣ ጋዜጠኛታት ነቲ ዘሕንኽ ሓሶታት ከይሓነኹ ይድርጉሕዎ ምህላዎም እዩ። «ጠሪጣ ኸ እንተ ትሓፍር፣ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ እዩ እቲ ነገር!»
እሞ ጋዜጠኝነት ዝመውት ዘሎስ ጋዜጠኛታት ስለ ዘየለዉን ብቕዓት ስለ ዝስኣኑ ድዮም ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ እዩ፧ እዚ ሕቶ ግን ክሕተትን ቅልጡፍ መልሲ ክረክብን ሓንቲ እዩ ዝከውን። እቲ ቕልጡፍ መልሲ እውን ሓጽርን ንጹርን እዩ። ከም ሎሚ እካ ፈላጣትን በላሕትን ጋዜጠኛታት ተራእዮም ኣይፈልጡን። እቲ ጸገም እቲ ዘለዎም ብልሕን ፍልጠትን ንረብሓ ህዝብን ሓቅን ደርብዩ፣ ንረብሓታቶም ኣብ ዘገልግል ዕላማታት ስለ ዘውፍርዎ ዘለዉ እዩ።
ንምዝንጋዕ ናብ ፍጹም ዕዳጋ ብምቕይራ እውን፣ ህዝቢ ክምሃር ክሓስብ ሽግራቱ ክፈትሕ ራህዋ ክረክብ እናተገብኦ፣ ብማእለያ ዘይብሉ ኣዘናጋዒ ትሕዝቶታት ኣብ ሓፋሽ ህዝቢ የዕለቕልቕዎ። ብረብሓን ስስዐን ከኣ፡ ህዝቢ የጥፉኡ፤ ዓለም ኣብ ዘይወጾ ድልሃመት ይሸምዋ ኣለዉ።
ወሳኒ ኣዝዩ ሓደገኛ ፍጻሜ ከጋጥም ከሎ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓጺርን ብህጹጽ መንገድን ዜናዊ መርመራ እናገበረ ነቶም ፈጽምቱ ተሓታት ጌሩ ዘርኢ ሚዛናዊ ጸብጻባት ምቕራብን ፍታሕ ምንዳይን፣ ኣብ መዓልታት ወይ ኣብ ሳምንቲ ዝውዳእ ነገር ክሳብ ኣዋርሕ ዝከይድ ኣታሕዞም ጌሮም ዘየድሊ ምምጣጥን ምዕባስ ሓቅታትን፣ ኣብ ውሽጢ እቲ መስርሕ ረብሓታትካ ምሕላውን ዝዓይነቱ መልክዕ ይጓዓዙ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ከኣ ነቲ ዝፈጥርዎ ሓሶታትን ሓድሕዱ ዝተሃራረም ኣቀራርባን፣ ከመይ ጌሩ ተገምጢሉ ንሰማዕቲ፣ ተዓዘብትን ኣንበብትን ከም ዝስሕብ እናገበርካ ቁጽሪ ሰዓብቲ ምዕባይን፣ ብእኡ መጠን ከኣ ገንዘባዊ ኣታዊታት ምክዕባትን እዩ።
ነቲ ልሙድን ስሩዕን ጋዜጠኝነት ቀቢጽካ፣ ናብ ማሕበራዊ ማዕከናት ዜና ገጽካ እንተበልካ ከኣ፣ ሓሳባት ኣብ ኢድ ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ዕምቆት ዝውሓዶም፣ ሓላፍነት ዘይስምዖም፣ ትርጉም ሓበሬታን ኣገልግሎቱ ኣብ ሕብረተሰብን ፍጹም እንዶ ዘይብሎም ተበለጽቲ ወዲቑ ተሪፉ።
እሞ ከኣ ድኣ፣ ነገራት ኣብ ከምዚ ደረጃ ምስ በጽሑ እንታይ እዩ ዝግበሮ፧
እወ፣ ኣብ ከምዚ እዋን እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ሓላፍነት ዝስምዖም ሰባት ምስ ሓቂ ደው ኢሎም፣ ንሓቂ ዘጎልብቱ ኩሎም ሓሳባት እናኮስኮሱ፣ ኣብ ህንጸት ሕብረተሰብ ምውፋር እያ።
·
"ሓያል መልእኽቲ ዳንኤል።"
ዓለም ብረብሓ እምበር ብድንጋጽ ከም ዘይትምራሕ፡ ፍሉጥ እኳ እንተ ኾነ፡ ዲፕሎማሲና ብዝበለጸ ክነሕይሎ -ንዓለም “ተገፊዑልና” ወይ “ርኣዩልና” ምባል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ብቕዓት ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣስሚሩሉ ኣሎ። ብጻዕሪ ዲፕሎማሲ ማንም ዘይደፍራ ብቕዕቲ ሃገር ክንፈጥር ከም ዘሎናን፡ ንዓለም ብንጹር ድምጽና ክንስምዓን ጉዳይና ባዕልና ክንነግራ ከም ዝግብኣናን ኣጒሊሑ። ብሓንቲ ንእሽቶ ቁልዒ ዝጅመር ሓዊ፡ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርዕ ክወስደና ከም ዝኽእል እውን ኣትሪሩ ብምእማት ኣጠንቒቑ።
ኣብ መደብ “ደሃይ ኤርትራ” ምስ ኣዳላዊ መደብ ጋዜጠኛ ሳሙኤል ገብሪሂወት (ዓካ ዓካ) ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ቃለ-መሕትት፡ ገዲም ተጋዳላይን ምሁር ስነ-ፖለቲካን ዳኒኤል ጋርዛ፡ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ካብ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ምጉብዕባዕን ብዕምቖት ዝዳህሰሰ ረቒቕን መሪሕን ትንተና ኣቕሪቡ ኣሎ።
“እዛ ሃገር ብዋጋ ህዝብናን እያ መጺኣ፤ እቶም ዝከፈልናላ ከኣ ኣሕሊፍና ክንህባ ፍጹም ኣይግባእን። ስለዚ ምዚ ወሳኒ ግዜ ዓቕምታትናን ሓላፍነትናን ኣብ ቅድሚት ነምጽኣሉ እዋን እዩ። ሃገር ኣብ ፍሪጅ ኣእቲኻ በረድ ጌርካ እንተገዲፍካያ፡ ኣብ መወዳእታ ኮርሻሕሻሕ ኢላ እያ ክትተርፍ። ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ፍሪጅ ፖለቲካ ብምስባር፡ ንኤርትራ ካብዚ ሓደገኛ መስመር ከነውጽኣ ይግብኣና። ሓንቲ ዝብላ፡ "ኤርትራ ወትሩ ኣብ ልብና ትሃሉ። ኤርትራ ኣብ ልብና እንተ ኣላ፡ ብዝተፈላለየ ሽርሕታት ክትጠፍእ ኣይትኽእልን እያ” ይብል።
ንስለ ፖለቲካን ረቐቕቲ ጥበባቱን ተባሂሉ ዝተዘርበን ዝተኸደን ጉዕዞ፡ ኣብ ኣእምሮ ህዝብና ከቢድ ማህሰይቲ ኣውሪዱ እዩ። ንሕልና ህዝብናን ገድሊ ኤርትራ ንዘረጋገጾ መስተንክር ጅግንነትን ዝፈታተን ኩነታት እውን ተራእዩ እዩ። ክሳብ ብዝተፈላለየ ጥበባት ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ናይ ምዕቓብ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ንምድንጋር “ድሮን ወዲ ድሮን” ዝብሃል ቁንቁኛታት ከም ዘይሓልፍ ከም ዝጉስጎሰሉ ዘብርሀ ዳኒኤል፡ ከም ኩሎም እቶም ኣብ ዓውደ-ኩናት ዝተራእዩ ዝተራቐቑ ኣጽዋራት ጸረ-መኸታ ዘለዎም፡ ድሮን እውን ካብኦም ከም ዘይፍለ ገሊጹ። እዚ ነቲ ህልዉን እዋናውን ሓቂ ንምብራህ ዘምጽኦ ነጥቢ እምበር፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ቃለ-መሕትት ባህጉ ናይ ሰላምን ኣብ ሰላም ትነብር ሃገርን ጥርዚ ዝወጸ እዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡
“ንላዘበሉ፡ ኢሂን-ሚህን ንብለሉ ግዜ ሕጂ እዩ። እዚ ግዜ እዚ ንዓና ንኤርትራውያን ኣዝዩ ወሳኒ ግዜ እዩ፤ ንዕድልና ዝውስን ግዜ እዩ። ስለዚ ንስለ ዕድልና ብንቕሓት ደው ክንብል፡ ከነስተውዕል፡ ኣርሒቕና ክንጥምት ኣሎና” ንዝብል ባሕሪ ሓሳባት፡ ብልቦናን ብሓላፍነትን ብቕዓትን ሓንቢስሉ ኣሎ—ሓውና ገዲም ተጋዳላይ፡ ምሁር ስነ-ፖለቲካን ሎሚ ካብ ዓዱ ርሒቑ ንስቓይ ስደት ተቓሊዑ ዘሎን ዳኒኤል ጋርዛ።
ን ሃገርና ሓለፋ ኢና ነፍቕራ ኢሎም ንዝሓስቡ ሰባት ከም ዘይጸልኦም፡ ግዳ ነቲ ዝብልዎ ቃል ዘሰኒ፡ ናይ ስራሕን ምጽብጻብን ዘረጋግጽ ትካላዊ ጉዕዞ ክኽተሉ ኣትሪሩ ጸዊዑ ኣሎ ዳኒኤል። ኣብ ተግባር ዘይትርጎም ቃላትን ፍቕሪን ትርጉም ስለ ዘይብሉ- ኤርትራ ብደምን ብግብሪን እያ መጺኣ፤ ስለዚ ከኣ ሕጂ እውን ግብርን ሓላፍነትን እዩ ዘድልየና። ብቑዓት ውጽኢት ዘምጽኡ መራሕቲ ክንኩስኩስ ውዓል-ሕደር ከም ዘየድልዮ ዘነጸረ ዳኒኤል፡ ደጊሙ ደጋጊሙ “ሃገር ኩሉ ግዜ ኣብ ልቢ ህዝቢ እያ ትነብር፤ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ጽንዓትን ፍቕሪ ሃገርን ድማ ናብ ህያው ትካላትን ምዕቡል ስርዓትን ክንቀይሮ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ” ኢሉ።
ብግርማይ ደበሳይ (Ghirmayunbound) ተጽሓፈ!
ዕለት፦ 20 ጥቅምቲ 2026
ዓለም ኣስቃጢቶ!
ሕሉፍን ህሉውን ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን፣ ብሕሉፍን ህልዉን ስቕታ ዓለም ዝተሰነየ እዩ። ንምንታይ እያ ግን ዓለም ወትሩ ኣብ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታ ትመርጽ፧ ቀልጢፍካ መወዳእትኡ ዘይብጻሕ ትንግርትን ምስጢርን እዩ!
ዓለም ንኤርትራን ህዝባን ብሓይሊ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ከላ፣ ስቕ ኢላ ተዓዚባቶም። እቲ ናይ ርእሰ-ምሕደራ ፈደረሽን ብገዛእቲ ኢትዮጵያ ክፈርስ ከሎ’ውን፣ ዓለም ሕጊ-ኣልቦነት መሪጻ፣ ስቕታ መረጸት። ኤርትራውያን ካልእ ምርጫ ስለዘይነበሮም፣ ፍትሒ ብብረት ንምምጻእ ናብ በረኻታት ወፈሩ። ኣብቲ ናይ ሰላሳ ዓመት መሪር ቃልሲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብግፍዒ ተኣሰረ፤ ተሓረደ፤ ብታንክታት ተጨፍለቐ፤ ብናባልምን ክላስተር ቦምባታትን ተደብደበ። ደም ሲቪላውያንን ተጋደልትን ኤርትራውያን እናዛረየ፣ ዓለም ዓይና ዓሚታ፣ ኣእዛና ለኲታ፣ ስቕታ መረጸት።
ኣብ 1991፣ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ብደሞምን መስዋእቶምን ንጸላኢ ስዒሮም ኣብ ኣፍ ደገ ኣስመራ ምስ በጽሑ፣ እታ ን30 ዓመታት ስቕ ዝበለት ዓለም ብሃንደበት ድምጻ ኣስመዐት። ከም በዓል ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ሄርማን ኮህን (Herman Cohen) ዝኣመሰሉ ኣካላት፣ "ጽንሑ፣ ሓርነት ኣይትኣውጁ!" ክብሉ ጀመሩ። ስለምንታይ፧ (ሚልዮን ግዜ ስለምንታይ፧!)
እንተኾነ ግን፣ ብመስፍን ሓጎስ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት፣ ናቱ ታሪኻዊ ውሳነ ብምውሳድ፣ ኣስመራ ኣትዩ ንኤርትራ ሓራ ኣውጽኣ። ኤርትራ ከኣ ኣብ 1993 ነቲ ክቡር ደም ሰማእታትን ድምጺ ህዝባን ወሲኻ፣ ኣካል እታ ዘስቃጠተትላ ዓለም ብሕግን ብሓበንን ኮነት። ድሕሪ እዚ ኩሉ መግደራ እውን፣ ህዝቢ ኤርትራ ብክንገር ዘይክእል መከራ እናሓለፈ፣ ምስ ክብሩን ጽንዓቱን እናሃለወ፣ "መጻነካ፣ ጻሕተርናካ" እናተባህለ ክሳቐ ከሎ፣ ያዕ ዝብል ድምጺ ዓለም የለን። እቲ ምስጢር ሲ እንታይ ኮን ይኸውን፧
ግርማይ ደበሳይ
Oct 21, 2026
ዋጋ ሓርነትን ሓላፍነት ዜጋታትን
ሓርነት፡ ከም ኣቕሓ ካብ ትርአ ነዊሕ ጌራ እያ። ኣብዛ መሬት ሓርነት ትብሃል ኣሜሪካ እውን ከይተረፈት፡ እታ መሰነይታ ኩሉ ህይወት ዝነበረት ሓርነት ኣብ ገለ ተሸሪባ ጠፊኣ እያ።
ከም ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጋዜጠኝነት ዝጸናሕኩ ሰብ፡ እታ ተርዕድ ሓቂ፡ ሃገራት ባዕላተን ካብ ውሽጠን እየን ቖንቂነን ዝጠፍኣ። ሓርነት ከኣ ብሓንቲ ለይቲ ኣይኮነትን ትጠፍእ፤ ሰላሕ እናበለት እያ ትብሕጎግ። “ኣነ እሞ እንታይ ከፊኡኒ፡ ጽቡቕ ኣለኹ” ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ሓቂ ክድፈን ከሎ ካብ ስግር ማዕዶ ትም ኢልካ ከም ምዕዛብ ጌሩ ንሓንቲ ዓባይ ሃገር ኣብ ትሕቲ መሬት ዝሸምም ፍጻሜ የለን።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ መይሰን፡ መንግስትን ዓለማዊ ፖለቲካን ከጽንዕ ከለኹ፡ መሸነሪ ፖለቲካ እንታይ ይመስል ክፈልጥ ክጋደል ከለኹ፡ “መጻሕፍቲ ከምዚ ወይ ከምቲ እዮም ዝብሉ” ክብል ደልየ ኣይኮንኩን፤ እንታይ ዳኣ ሃገራት ብኸመይ ይምስረታ፡ ብኸመይ ይሰራሕ፡ ብኸመይ ከኣ ይወድቓ ክርዳእ እዩ ነይሩ።
ኣሜሪካ ካልኣይ ዕድል ዝሃበትኒ ሃገር ኮይና ክትቕበለኒ ከላ፡ ጽኑዕ ገመድ ከም ዝተፈጥረ እየ ዝርድኦ። ዜጋኣ ምስ ኮንኩ፡ ኩሉ ዕድላ የገድሰኒ እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ጉዕዞኣ ኣብ መንጎ ተታኺሳን ተዓሚታን ናብ ዓዘቕቲ ክትሸመም ግቡእ ኣይኮነን። ብዝተፈላለየ ቋንቋታትን ባህልታትን ንዓለም ዝርኣያ የዕንተይ፡ ሓንቲ ዘይትቕየር ሓቂ ኣስተብሂለን እየን፦ ጥዕና ሃገራት ወትሩ ተኣፋፊ እዩ፤ ብሓንቲ ጌጋ እውን ክድምሰስ ይኽእል እዩ።
ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ኤውሮጳ፡ ሰባት ንሕቡራት መንግስቲ ኣሜሪካ ርእዮም ክጸንዑን ክምሃሩን ዝደልዩ፡ ኣሜሪካ ኣበር-ኣልቦ ኮይና ስለ ዘይኮነትስ፡ ነታ ዘላታ ሓርነት እንተ ኣጽኒዓታ፡ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ዓለም ተስፋ ሓርነት ስለ ትኸውን እዩ።
እንተኾነ፡ ሎሚ ህዝቢ ኣሜሪካ መዓልታዊ ዝብላዕ ሺሻይ ኣለዎ እንተ ተባሂሉ፡ ብዘይዕረፍቲ ዘዕሮን ዘጽምሞን መርዛም ቃላት እዩ። ነዚ ሠሪዖም ዝደኽምሉ ዘለዉ ከኣ፡ እቶም ሞያዊ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ፡ ንኣእምሮ ዜጋታት ኣሜሪካ ተቖጻጺሮም ናብ ድላዮም ክጥምዝዝዎ ዝደልዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት እዮም። ከም ሓደ መዋእሉ ኣብ ጋዜጠኝነትን ጽሕፈትን ዘሕለፈ ውልቀሰብ መጠን፡ ኣብ መንጎ ግቡእ ምዝርጋሕ ሓበሬታን ሓሰተ-ዜናን (ፕሮፓጋንዳን) ዘሎ ፍልልይ እፈልጥ እየ።
ጋዜጠኛታት ኣሜሪካ፡ ውልቃዊ ረብሓታቶም ኣቐዲሞም ፖለቲካዊ ዓሌትነት ብምፍጣር፡ ኣብ ክንዲ ላምባዲና ህዝቦምን ሓቅታትን ዝኾኑ፡ ሓሶት ዝመሰረቱ ጋዜጠኝነት ተኸቲሎም ሃገር እናዓረበት ናይ ደንደስ ተዓዘብቲ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብቲ ጥፍኣት ኢዶም ዝሓወሱ ኮይኖም ኣለዉ። እሞ እቶም ዜጋታትከ? ብወገናዊ ፖለቲካ ተጨማሊቕና፡ ሓቂ እናተደፍነት ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ናብ ቁጽሪ ዘይብሉ መከራ ክትሰጋገር ምውሳን እዩ!
ዜግነታዊ ሓላፍነትና ኣብ ሓደ ክልተ መስርሕ ምርጫታት ደው ክብል የብሉን። ዘላትና ሓርነት ዓዲ ኣርሒቓ ንሓዋሩ ከይነሲኣና፡ ኣብ ውሽጥና ወትሩ ዘይርአ ረፈረንደም ካብ ምክያድ ንኻልኢት እውን ክንዓርፍ ኣይግባእን። ከም ዜጋታት ሓያላት ሕቶታት ከነልዕል ይግብኣና፦
እንታይ ዓይነት ሓቅታት ኢና ንደሊ ዘለና፧
ወይ ከመይ ዝበሉ ሓቅታት እዮም ተሰዊሮሙና ዘለዉ፧
ነየኖት ጉዳያት ኢና ንዕገሶም ዘለና፧
ትዕግስገናን ስቕታናንከ ነየኖት ክብርታትና እዩ ክጠቕም፧
ኣሜሪካ ንብዙሓት ናብኣ ዝጉተቱ ሰባትን ኣህዛብን ማራኺት መሲላ ትርአ፡ ህዝባ ንሓይሊ ፎእ ኢሉ ብሕግን ሞጎትን እዩ ዝጓዓዝ ዝብል ረዚን ሓሳብ ስለ ዘለዋ እዩ። ምዕቃብ ሓርነት ካብ ኣቦታትካ ብኸምኡ ዝዕደለካ ውርሻ ኣይኮነን። ምርጫታት ይካየድ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ልክዕ ከም ሞርጌጅ (ዕዳ ገዛ) ብዘይዕረፍቲ ክሳብ ዕለት ሞትካ ዝኽፈል ዕዳ እዩ።
እዛ ሃገር እዚኣ መሰረታ ከይተነቓነቐ፡ ነዛ ሓራ ክትከውን ትብህግ ዓለም ኣርኣያን ተሰካሚትን ኮይና ክትቀጽል እንተ ዀይና፡ ዜጋታታ ክነቕሑ፡ “ሓቅታት ኣበይ ኣለዉ?” ክብሉ፡ እታ ኣላትና ዝብልዋ ደሞክራሲ እንተ ሞይታ ንሳቶም እውን ከም ዝሞቱ ክግንዘቡ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ከምኡ ምስ ዘይገብሩ፡ እታ ኣላትና ዝብልዋ እንኮ ኣሜሪካ ቤቶም ክስእንዋ እዮም—ማለት ስልጣኔን ሓይልን ኣሜሪካ “ነበርያ ነበረ” ክኸውን እዩ።
"ሕጊ ሃገራትን ኣታላሊ ዝተርንዐ ቅልጽምን" ግርማይ ደበሳይ
ስለምንታይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ታሪኽ ክድገም ይድለ ኣሎ፧ብተደጋጋሚ ከም ዘንበብናዮን ብተደጋጋሚ ከም ዝርኣናዮን፣ ታሪኽ ወዲ ሰብ ከም ዘለዎ ግናይ ግጭትን ትራጀንድን እዩ። ኣብ ተፈጥሮ ብቐንዱን ኣብ ደቂ ሰባት ባዕላትናን፡ ካብ ንኣሽቱ ኮማት ክሳብ መሰታ ዝስኣኑ ግዝኣታትን ስልጣኔታትን፡ ብሰሪ ረብሓ፡ ስስዐ፡ ጣጣ-ኣልቦ መንገድታትን ካልእ ንዕኡ ዝመስል ክፍኣትን፡ ደም ከም ዘይሓልፍ ፈሲሱ፡ ህይወትን ንብረትን ሰብ ብዘይምሕረት ዓንዩ እዩ። እቲ ፈጣሪ ዝፈጠሮ ጽባቐ ተፈጥሮን ጽባቐ ሰብን ከኣ ተባልሽዩን ተደዊኑን ተሪፉ እዩ። ካብዚ ግን ሓደ ድልዱል ሓቂ ጥራይ ኢና ክንምሃር ዘለናን ዝግብኣናን፦ ኩሉ ግዜ ሓይሊ ናይ መወዳእታ መፍትሒ ኣይኮነን—ፍጹሙ ኣይኮነን እየ ዝብል ዘለኹ።
ውግእ፡ ኲናት፡ ሰብ ይበልዕ፡ ንብረት የብርስ፡ መሬት ይወርር፡ ዘይህዝቡ ይጉዕጽ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ብዘይፍረ እዩ ዝተርፍ። "ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ" ከም ዝብሃል፡ ክበልዑ ዝወፈሩ ተበሊዖም ከም ዝተረፉ ኣብ ኩሉ ምዕራፋትን መዋእላትን ደቂ ሰባት ተመስኪሩ እዩ። ኣብ ኲናት ከኣ ዝረገፈ ምስ ረገፈ፡ ዝጠፍአ ምስ ጠፍአ፡ ናብ መኣዲ ሰላም ዘብዘብ ኢልካ ምምላስ—ርሕቕና ከይከድና—ናይ ቀረባ እዋናት ዝኽርታት ጥራይ ይኣክል እዩ। ስለዚ፡ እታ እንኮ መፍትሒት ኩሉ ነገር ሕጊ እያ፤ ንሳ ጥራይ እያ ናብ ሰላም ትወስድ መንገዲ፤ ንሳ ጥራይ እያ ምክብባር ተምጽእ። እቲ "ሓያል እየ" ዝብል፡ ነቲ "እሕይሎ እየ" ዝብሎ ጠሪሹ ኣጽኒትዎ ኣይፈልጥን፡ ዘይጸነተ ከኣ መሰሉን ሓቁን ኣይገድፍን።
ታሪኽን ጉዕዞን ኤርትራ ከኣ ናይዚ ሓሳባት እዚ ኣውራ ኣብነትን ህያው ምስክርን እዩ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኣዘዘ ፈደረሽን ብሓይልን ብዘይሕግን ምስ ኣፍረሶን ንኤርትራ ከም ሓንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ምስ ኣወጃን፡ ብርእይዮ እዩ ኣህጉራዊ ሕጊ ተጣሒሱ፤ ሱር ጠንቂ ናይቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለ መሪር ደማዊ ኲናት ከኣ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ሓቁ ክመልስ ፍትሓዊ መሰሉ ኮይንዎ ዝኣተዎ ኲናት ከኣ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ህይወት ከፊሉ፡ ኣካሉ ጎዲልሉ፡ ንብረቱ ዓንዩ፡ ዕድላቱ ተሓሺሹ፡ ዓሚቝ ቁስሊ ሒዙ ሃገር ኮይኑ። እዚ ኸኣ ሃይለስላሴ ብዘንቐሎ፡ መንግስቱ ከኣ ብዝደርዖ፡ "ልዕሊ ሕግን ሓቅን ሓይልን ቅልጽምን" ዝብል መትከል ስለ ዝተኸተሉ እዮም።
ኤርትራ ግን "ብሓይሊ ስዒረ እየ" እሞ ብሓይሊ ኽኸይድ ኣይበለትን—ብሓይሊ ዝመጸ ብሓይሊ ከም ዝጠፍእ ስለ ዝፈለጠት። እወ፡ ኤርትራ ሕጊ መሪጻ፤ ብሕጊ ከኣ ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም ክትከውን በቒዓ። ኤርትራ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ተባሂላ፤ ንሓዋሩ ከኣ ከምኡ ኮይና ክትቕጽል እያ። ኣብ ዓውደ ውግእ "መሬታዊ ሓርነት"፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ "ብድምጺ ህዝቢ" ዝተሃንጸት ኤርትራ ስለ ዝኾነት። ኣብዚ ዝሰምር ዘሎ ኣውራ ነጥቢ፦ ሕጊ ንሓይሊ ስዒርዎ ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ብሓይሊ ስዒራ ክንሳ ኣብ ሓይሊ ኣይተጸግዐትን። ስለዚ ሕጊ እዩ ኣብ መወዳእታ ስዒሩ።
እቲ ስጊንጥርን፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልን ሕግን ዝካየድ ግጥም ክቕጽልን፡ ኣብ 1998 እውን ብሰሪ ባድመ ዝብል መጎት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ምስ ተላዕለ፡ ሓይሊ - "ኣነ ሓይሊ: ልዕሊ ሕጊ እየ" ብዝብል መስመር ክጉዓዝ መሪጹ። ሓይሊ- ሓይሉ ጸንቒቑ ዘፍ ምስ በለ ግን፡ ምስ ሕጊ ክላዘብ ናብ መኣዲ ኣልጀርስ ጎይዩ። ሕጊ መሊሱ ተዓዊቱ ማለት እዩ—ዘሰሓሓበ ቦታ ግቡእ ግዝኣት ኤርትራ ምዃኑ ተፈሪዱ।
ንሓቅታት ታሪኽ ሸለል ምባል ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ታሪኽ ሸለል ኣይኮነን ዝብሎም ዘሎ፤ ጠቕሊሉ ይርስዖም፡ እንተኺኢሉ እውን ጠቕሊሉ ክሓኮም እዩ መሪጹ። ብመጠን እተን ዝጋገየን ቅመራታት ከኣ፡ ተዓጻጻፊ ውድቀት ከጋጥሞ እዩ። ዝተርንዐ ቅልጽም፡ ፈለማ ኣብ ኲናት ክዕወት ምዃኑ ውሑስ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኲናት ብዛዕባ ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣይኮነን፤ ኲናት ከኣ ንጉዳያት ናይ መወዳእታ መልክዕ ኣትሒዝዎም ኣይፈልጥን።
እዚ ከሎ እቲ ሓቂ ግን፡ ከበሮ ኲናት ገና ይድሰቕ ኣሎ። ኣዲስ ኣበባ፡ ብግህዶ ንልኡላዊት ኤርትራ፡ "ብግልጺ ብሓይሊ መንጢለ ታሪኻ ክዓጽፎ እየ" ናብ ምባል ኣትያ ኣላ። እዚ ኸኣ ንህዝቢ ኤርትራን ልኡላዊት ሃገሩ ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዘሎ መሰረታዊ ኣህጉራዊ ሕግታት ኣህዛብ እዛ ዓለም ዝጻረር እዩ—ክኹነን ከኣ ይግብኦ। ዓለም ከኣ፡ "ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣንጻር ታሪኽን ሓቅን ትቃለስ ኣለኻ" ኢላ ብንጹር ደው ከተብሎ ሓላፍነት ኣለዋን ይግብኣን።
ከበድቲ ኣጽዋራት፡ ከበድቲ ቃላት፡ ማዕበላዊ ተሃንዳዲ መጥቃዕታት ኢትዮጵያ እንታይ ኮይኑ፡ መጽሓፍቲ ምግንጻል እውን ኣየድልዮን እዩ። ኣብ ፍቖዶ ዩቱባት ተጸቕጽቁ ዘሎ ውድቀትን ስዕረትን፡ ዘስካሕክሕ ሬሳታት መንእሰያት ኢትዮጵያ፡ ስኑድ ምስክር እዩ። እቶም ቅድሚ ኣብይ ዝነበሩ መራሕቲ: ዝፈሸልሉ፡ ዝሓነኽሉ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝተሳዕርሉ ሜላ ንምንታይ ክድገም ይምረጽ ኣሎ? ዘደንጹ ነገር እዩ!
ስለዚ ሕጂ እውን ሓደ ሓያል ድምጺ እዩ ዘድሂ ዘሎ ኣብ መንጎ መስመራት እዚ ጽሑፈይ፦ ሓይሊ ስዒሩ ኣይፈልጥን እዩ፤ ኩሉ ነገር ኣብ መወዳእታ ብሕጊ ጥራይ እዩ ዝድቕስ! ሓይሊ ይፍትን፡ ተዘሪሩ ይተርፍ፡ ናብ ጣውላ ይምለስ। ሓይሊ ይዘልል፡ ሓይሉ ጸንቒቑ ደው ይብል፡ ናብ መኣዲ ሰላም ይምለስ। ሓይሊ ብዘይ ዕረፍቲ ናብ ጣውላ ክጎይ እዩ ተመስኪሩ። ንምንታይ ድኣ እዩ እዚ ጽኑዕ ሓቂ እዚ ዝድፈኖም ነቶም ኣታላሊ ዝተርንዐ ቅልጽም ዘለዎም ሓይልታት፧
እቶም ዝዕሽዉስ ይዓሽዉ፤ "ንዓለም ንመርሕ" ዝብሉ ወይ ክመርሑ ዝህንደዱ ሃገራት፡ ውድባት፡ ትካላት ከ ንምንታይ እየን ኣብዚ ንትርኢት ደቂ ሰባት ናብ ኣዝዩ ክፉእ፡ ግናይ፡ ዘሕዝን ደም ምፍሳስ ዘእቱ ሓደገኛ ኩነታትን ምዕባለታትን ስቕ ኢለን ክርእያ ዝመርጻ ዘለዋ፧ ሕጊ ክሰባበር፡ ሓይሊ ክነግስ፡ ሰላም ክዝረግ፡ ህውከት ክመጽእ፧ ነዚ ትርኢት እዚ የዕንትኻ ዓሚትካ፡ የእዛንካ ደፊንካ፡ ኣፍካ ሎጊምካ ምዕዛብ፡ ሰፊሕ ዞባዊ ዕንወት ከም ዝመጽእ ዘንጊዕካ፡ ዘይሓላፍነታዊ መትከል ስቕታ ምሓዝ: ስለምንታይ፧
መሰረታዊ ኣህጉራዊ ሕግታትን ስርዓትን ብንጥፈት ክዓይ፡ ንኹሉ ዝርዝራት ምዕማም እኳ ዘይክኣል እንተኾነ፡ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝውርወር ዘሎ ፍላጻታት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ሩስያን ካልኦትን "ያዕ" ክብልኦ ኣለወን ዝብል ጻውዒት ኣይኽሎን እዩ። ብግብሪ "ያዕ" ክብላ፡ ንግሆ ንግሆ ክንገራን ሓላፍነት ምዃኑ ክፈልጣን ግድን እዩ—ኩሉ ግዜ ሕጊ ልዕሊ ሓይሊ ክቕድም ስለዘለዎ።
ብኣድልዎ፡ ብርኡይ ምቕዳም ረብሓን ሸለልትነትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኮሶቮ፡ ኣብ ሩዋንዳን ካልእ ከም ዳርፉር ሱዳን ዘሕዝን፡ ብህይወት ደቂ ሰባት ዝዕቀን ከበድቲ ዋጋታት ተኸፊሉ እዩ። ሓቀኛ ዞባውን ኣህጉራውን ርክብ፡ ጉዳይ ሓደ ሃገር ጉዳይ እቲ ኻልእ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ። እዚ እቲ ዓለም ትስከሞ ሓላፍነት እዩ- እቲ ናይ ኤርትራን ደቃን ሓላፍነት ከኣ -ምስኦም ኣሎ።
ንቕዱስ መሬት ኤርትራ ቕዱስ ጽላል ኣለዎ። ውግእ ኣይንደሊን—ዘስካሕክሕ ዋጋኡ ብኣካል ስለንፈልጦ። ኲናት ኣይንደልን—ከም ዘይሓልፍ ስለ ዝበልዓና። ድሌትና ወትሩ ሰላም እዩ። ህውከትን ኲናት ዘሳውርን ግን ኩሉ ግዜ ክስዓር እዩ—ብምንታይ? ብሕጊ! ንሕና ኤርትራውያን ግን ኣብ ዘይተመቓቐለ መንደቕ ኤርትራ ጥራይ ደው ንበል። ብደም ሰማእታትን ብኣህጉራዊ ሕግን ዝቖመ ልኡላውነት፡ ዘለኣለማዊ እዩ!
መሰረት ጉዕዞ ሕይወተይ!- "እሞ ጎራሕ'የ እናበልካ ምፍካር መዓስ ይጠቕመካ ኮይኑ፡"
"ብጽሑፍ ዝተሰነደ ታሪኽን ካብ ኣቦን ኣደይን ዝተወረሰ ተዘክሮታትን ንመጻኢ ወለዶ ማእከል እዮም። ክብርቲ ኣደይ ብተዘክሮታታን ብለዋሃ ቃላታን ኣብ ልበይ ዝዘርኣቶ ፍቕሪ ታሪኽ፡ ትዕዝብትን ፍትሕን፡ ሎሚ ንዝሰርሖ ዘለኹ ዕዮታት ዓንዲ ማእከል ኮይኑኒ ኣሎ።"
"እሞ ጎራሕ'የ እናበልካ ምፍካር መዓስ ይጠቕመካ ኮይኑ፡"
ካብ ኩሉ'ቲ ኣደይ ትነግረና ዝነበረት ዛንታታት፡ ዋዛታት፡ ጽውጽዋያትን ካልእ መንፈሳዊ መልእኽትታትን፡ ማእለያ ዘይብሉ ንዘለኣለም ዝኾነኒ ስንቂ'የ ረኺበ። ሓንቲ ከሳብ ሎሚ ፈጺማ ካብ ኣእምሮይ ዘይትሃስስ፡ ዓብዪ መልእኽቲ ዘለዋ ዛንታ ኣላ፤ ብዛዕባ ኳኽን ውኻርያን'ያ።
እንዲዒ፡ ኣጀማምራ እታ ዛንታ እኳ ቁሩብ ረሲዔያ'የ መስለኒ። ብዝኾነ ኳኽ ንውኻርያ ገለ ነገር ጌርዋስ ተቐይማትሉ'ያ ነይራ። ውኻርያ መቸመ ኣዝያ ጎራሕን ጥበበኛን ከም ዝኾነት'ዩ ዝንገር። ኣደይ'ውን ከምኡ እናበለት'ያ ትነግረና ነይራ። ብዝኾነ ወያ ውኻርያ፡ በቲ እቲ ኳኽ ዝገበሮ መጋብር ብሕርቃን ኲምትር ኢላ፡ ከመይ ጌራ ሕኒኣ ከም ትፈዲ ሓሰበት። ሽዑ፡ 'ኳኽ ስጋ ስለ ዝፈቱ፡ በዛ ዝፈትዋ'የ ዝዕወተሉ፡' በለት ውኻርያ። ስለዚ መስከብ ኣድጊ (ድሕሪ ምውላድ ኣድጊ ዝተርፍ ትልኽ ዝበለ ስጋ ዝመስል መጎደፍያ ወይ ቀረጢት) ተኸዲና ኣብ ጎልጎል ወጸት።
ኳኽ ሆየ ኸኣ ሃርጎምጎም ክብል፡ ስጋ ተረኺቡ ኢሉ ኳኽ ኳኽ ኳኽ እናበለ ኣብኣ ዓለበ። እዋይ! ነዚ ኣብ ግዜ ቁልዕነትና ካብ ቃላት ኣደይ ክንሰምዖ ከለና ዝፈጥረልና ዝነበረ ደስታ ብሓቂ ደረት ኣይነበሮን።
ብዝኾነ ዛንታና ንቐጽል፤ ኳኽ መሬት ሰላም ዘላ መሲልዎ ኳኽ ኳኽ ኳኽ! እናበለ ክዓልብን፡ ውኻርያ ኸኣ ተረኸባካ'ዶ፡ ኣንታ ቦርኳኽ! ኢላ ቅርቀብ ከተብሉን ሓንቲ ኮነ። ድሓር ኣብ መጻወድያ ውኻርያ ዝኣተወ ኳኽ ከመሻኸን'ዩ ጀሚሩ። ብዝፈጸሞ በደል ከኣ ዝኾነ መቕጻዕቲ ከቕበል ድሉው ኮይኑ፡ እንድያ ትብለና ኣደይ።
ንሕና ኸኣ፡ 'ህ ህ ህ ድሓር'ከ፡ ድሓር'ከ ፍቓድየ?' ነብላ'ሞ፡ ንሳ ከኣ፡
'ድሓር ደቀይ፡ ውኻርያ ንኳኽ ፍጹም ክትቀጽዖ ስለ ዝደለየት፡ እታ መቕጻዕቱ መራር ሞት ክትከውን ወሲናትሉ!! ድሓር እብለኩም፡ በል ኳኽ ኣማውታኻ ምረጽ በለቶ፡ ፈሳሕሳሕ እናበለት። ኣብ ሓዊ የእትየ፡ ኣሕርር ኣቢለ'ዶ ክቐትለካ? ብኻራ ጌረ'ዶ፡ ነዛ ክሳድካ ብትኽ ኣቢለ ትንፋስካ ከሕልፈካ? ወይስ በዚ ጸድፊ ሃው ኣቢለ ከዕርበካ'ሞ ኣብኡ ተረፋቲትካ ክትተርፍ? እንታይ ይሕሸካ? ሃየ ምረጽ! ኣማውታኻ ምረጽ! ኣንቲ ቀጣፊ!' በለቶ ትብለና ኣደይ።
'እሞ እንታይ መሪጹ?' ንብላ ንሕና ኸኣ ተሃንጢና።
'እዋእ፡ ሓንቲ ኣይሓደገን ተጻዊቱላ'ዩ። ብዝኾነ ውኻርያ ሓብታይ ኢልዋ። እንተደሊኺ ኣብ ሓዊ የእትውኒ፡ እንተደሊኺ ብኻራ ሕረድኒ። ሓንቲስ በዛ ጸድፊ ጥራይ ሰንድኺ ኣይትረፋትትንኒ። በጃኺ ውኻርያ ሓብተይ፡ በጃኺ፡ በላ።'
ሽዑ ውኻርያ፡ "ኣሃ!!! እምበኣር እዛ ናይ ጸድፊ ኣማውታ ኢኻ ትጸልእ?" ኢላ፡ በል ኣነስ ብኣኣ'የ ሃው ከብለካ፡ እናበለት ሰዲዳ ገደፈቶ ናብቲ ጸድፊ ገደል።
ሽዑ ንሳ ሕማቕ ኣማውትኡ ከትርኢ ሃንቀው ትብል። ንሱ ኸኣ ኳኽ ኳኽ ኳኽ! እናበለ ናብ ሰማዩ ነፊሩ ሰለል።
ሽዑ ውኻርያ፡ "እዋይ ተበለጽካለይ'ዶ? ኣንታ ቦርኳኽ!" በለት ብሓዘን፡ ትብለና።
'ኣደ፡ ምሽ ድኣ ውኻርያ ጎራሕ'ያ፡ ከመይ ጌሩ ድኣ ኣሽኪዕዋ?' ንብላ ንሕና ኸኣ።
'እሞ ጎራሕ'የ እናበልካ ምፍካር መዓስ ይጠቕመካ ኮይኑ፡' ኢላ ትምልሰልና ፍቓድየይ ድማ።
ካብዛ ዛንታ ብዙሕ'የ ተማሂረ። ነዚ ዝመስል ፈጻሜታታት ብግብሪ ኣብ ደቂ ሰባት ከጋጥም'ውን ተዓዚበ'የ።
ካብ መጽሓፍ "ላዛ-ስድራ" (2012) ዝተወስደ
ብግርማይ ደበሳይ
ዘየስተማስል ስደተኛ!!! Written on Mar, 2017 Ghirmay Debessai
“ስለምንታይ እዩ፡ መዋእል መሃንሾ፡ ከም ዓብዪ ሰብ ዝቑጸር፧”
ንመዋእል መሃንሾ፡ ከም ዓብዪ ሰብ፡ ዘቑጽር ዝርዝር፡ ውሕድ ዝበለን፡ ወሳንን፡ እዩ። ንሃገሩ ኤርትራ ይፈቱ፡ ስማ ክሕሉ፡ ይደሊ፡ ትንፋሱ ክሳብ ዝወጽእ፡ ይጽዕት። “ኣበይ ኣሎ ጭብጢ፧” ዝብል ሞጎት ክስዕብ ግድን ይኸውን።
ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻት ጉዕዝኣ፡ ክሳዳ ኣቕንዕ ኣቢላ፡ ክብሪ ካብ ዝረኸበትሉ ሓበናት፡ ሓደ፡ ቅድድም ብሽግሌታ እዩ። ካብ ዓወት ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ፓሪስ፡ ክሳብ እዚ መመሊሱ ዝደራረብ ዓወታት፡ ናይ ሕጂን፡ ከመይ ፈወሲ ኮይኑ፡ ከም ዘሕወየና፡ ኣየከራኽረናን። ተሓጒስናን፡ ሩፍታ ረኺብናን፡ ጥራይ ዲና እሞ፡ ስቕ ክንብል፧ ኣይፋልናን። “መንጪ ናይዚ ዓብዪ ደስታና ካበይ እዩ ዝብገስ፧” “እንታይ ዝዓይነቱ ታሪኽ ከ ኣለዎ፧” መልሲ ዝደሊ ኣውራ ሕቶታት እዩ። ኣብዚ እዩ፡ እምበኣር፡ ትብዓትን ስራሕን፡ መዋእል መሃንሾ ዝፍልም።
ገና እቲ ኣመና ጥርዚ ዝበጽሐ ዘውድታት ብሽግሌታ ሃገርና፡ ኣብ ኣፍርቃን ዓለምን፡ ከይርኣየ ከሎ፡ ታሪኽ ቅድድም ብሽግሌታ ኤርትራ፡ መድረኽ ብመድረኽ ዘርኢ፡ ንኡድ ስራሕ ኣፍርዩ፡ ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ንግደስ ዜጋታት፡ ጸባ ኣስትዩ፡ ታሪኽ ክጽሕፍ ክብል፡ ንርእሱ ታሪኽ ሰሪሑ። ድሕሪት ተመሊሱ፡ ሰነዳት፡ ኣሳእል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕሉፍ ግዝያት፡ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ክእክብ፡ ክጉርጉር፡ ከወሃሃድ፡ “ክንደይ ግዜ፡ ክንደይ ጽዓት፡ ክንደይ ሓቦ፡ ክንደይ ዋጋ ሓቲትዎ ይኸውን፧” ዝብል ሕቶ፡ ንስለ ሕቶ፡ ከነቐምጦ ንኽእል እምበር፡ መልሱ ንጹር እዩ። መዋእል ነዚ ክገብር፡ ሕለቱ ክሳብ ዝሞልቕ እዩ ዓይዩ።
ሓደ ዝደኸምካሉን ዝዓየኻዮን ዕዮ ግን፡ ተዓዩ ስለ ዝተወደአ ጥራይ ድዩ ዓብዪ ስራሕ ዝኸውን፧ ፈጺሙ ኣይኮነን። ክንደይ ውዱእ ዕዮታት፡ በሰሮ እዩ፤ ነቲ ሰራሒኡ እውን፡ ዘሕንኽ ኮይኑ ይርከብ። ዕዮን መፈጸምታ ጻዕርን፡ መዋእል መሃንሾ ግን፡ “ገጅፍ- ምቁር” ኮይኑ እዩ መጺኡ። ኣታሕዛ ኣዛናትውኡ ርትዒ ከም ዝነበሮ ከኣ፡ ካብቶም ኣቦታት ዝብሃሉ፡ ናይ ቀደም መስረትን ተቐዳደምትን (ከም ኣቶ ገብረገርግሽ ገብረስላሴ (ማይ ጋይላ))፡ ክሳብ እዞም ናይ ሕጂ ሰራሕቲ ቅያ፡ “እዚኣ ኢንታ ኣላትካ” ኢሉ ንመዋእል፡ “ዓይንኻ ትደፈን” ዝበሎ ሰብ የለን። እዃ ድኣ፡ ካብ ተቐዳደምቲ ይኹኑ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽግሌታ፡ እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትኽእል፡ ዋሕዚ ምስጋናን ኣድናቆትን፡ እዩ ፈሲስዎ።
መዋእል መሃንሾ፡ ኣብ መጽሓፉን ኣብ ገጽ ፈይስቡክ ዝዝርግሖ ጽሑፋቱን፡ ጌሩ፡ ንዓበይቲ ብሉጻት ተቐዳደምትና፡ ብመልክዕ ክዉን ዛንታታቶም፡ ኮፍ ኣቢሉ ብምቕማጥ፡ ድሕሪት መሊሱና፡ ኣዘኪሩና፡ ኣናፊቑና፡ ኣስሑቑናን ኣንቢዑናን፡ እዩ። ብፍላይ፡ ጀጋኑ እቲ ስፖርት ዝነበሩ፡ ከም ብዓል የማነ ተኸስተን ብንያም ያሬድን፡ ኣሳእሎምን መስተንክር ዓወታቶምን ኣሰንዩ፡ ሓበንን ዘተክዝ ዝኽርን፡ ኣፈራሪቑ፡ ኣርእዩና እዩ። ንኸም ብዓል፡ ግርማይ ኣብርሃን፡ ርእሶም ሕድራይን፡ ረኺቡ፡ ታሪኽ እቲ ዝሓለፈ፡ ተመኒኻ ዘይምለስ ጥዑም ግዚኦምን፡ ግዜ መቐዳድምቶምን፡ ሂቡና እዩ።
ንሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ገድልን ድሕሩ ኣብ ዝስዓበ ኩናትን፡ ሓያለይ ተቐዳደምትና፡ ኣብ ክልተ መዳያት ሃገሮም፡ ኣውቂዮም ከም ዝሓለፉ፡ ዝሰነዶ ታሪኽ፡ መዋእል፡ ክሳብ ክንደይ፡ ክብሪ ናይታ ዝፈትዋ ሃገሩ፡ ከርእየና ከም ዝብሃገ ዘርኢ ምስክርነት እዩ። ኣብ ሓደ ነገር ጸኒዕካ ምስራሕን ከይረብረብካ ምቅላስን፡ ውጽኢቱ፡ ክሳብ ክንደይ ገጂፍ ምኻኑ፡ በዚ ንዝርዝሮ ዘለና ነጥብታት ጥራይ፡ ምጎልሐ ነይሩ። መስተንክር ዝኾነ ጻዕሪ መዋእል ግን፡ ኣብዚ ደው ከይበለ መመሊሱ ዝኹላዕ እዩ።
ሎሚ መዋእል መሃንሾ፡ ስደተኛ እዩ። መስተማሰሊ ስደተኛ ግን ኣይኮነን። ኣብታ ዘለዋ ኩነታት እንታይ ክግብር ከም ዝኽእል ዝፈለጠን ዝዓየየን፡ ኮርዒዳ ሰብ እምበር። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣነጣጢፉ፡ ንኢትዮጵያውያን ተቐዳደምቲ፡ ዝብድሁ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣኽሊል ዓወት ዝደፍኡ ተቐዳደምቲ፡ ኣሰስኑ ኣሎ። ንኸም፡ ገና ካብ ኤርትራ ኣትሕዙ፡ ታሪኽ ክሰርሕ ጀሚሩ ዝነበረ፡ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘውዲ ሻምፕዮን ዝደፍአ፡ ዳኒኤል ተኽላይን፡ እቶም ምስኡ ኩርዓትና ኮይኖም ዘለዉ፡ ብጾቱ ተቐዳደምትን፡ ዝጎናጽፍዎ ዘለዉ ዓወታት፡ ከም ተኽሊ ርእዩ፡ ዝኽስኩስ፡ ማይ ዘስቲ ዘሎ፡ መዋእል መሃንሾ እዩ። ዘውቂ ሰብ ከምዚ እዩ ዝገብር። መመሳመሲ ሃሰው ከይበለ፡ ወላ እውን፡ ኣብታ ዝመረረት እዋን፡ እታ ክገብራ ዝኽእል ነገር ይገብር። ዘለዎ ጸጋ ኣፍሲሱ ስለ ዝዓይ ከኣ፡ ይዕወት።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ከም ኣላይኦም፡ ኣናብስ እዮም፤ ንውጥንን መደብን ኣሰልጣኒኦም፡ ብዝጭበጥ ዓወታት ዝትርጉሙ፡ ሰብ ቅያ። እዚ ውጽኢታት ዝደረኾ፡ ተስፋ ጻዕሪ እዞም ኣሕዋት፡ ክሳብ ኣብ ደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክሳተፉ ዘኽእል ዕድላት፡ ከፊቱ እዩ። እቲ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድላት፡ ይስለጥ ኣይስለጥ ከኣ፡ ድሮ ተኼይዱ ዘሎ መንገዲ፡ ብርኩት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ሰናይ ሓላፍነታዊ ሃገራዊ ዕዮ፡ ብምንታይ ከነተባብዖ ከም ዘለና፡ ሓደራ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይመስለናን።
መዋእል መሃንሾ፡ “ጅግና ኢኻ!”።