ጽባቐ ንእስነት! ነጪ ፍስሓጽዮን! ብብርዒ ግርማይ
ኣብዛ ስእሊ፥ "ንእስነት" ተሳኢሉ'ሎ። "ስእሊ ንእስነት" ነጪ ፍስሓጽዮን።
ኣብዚ ብባህታ ተኸፊቱ ዘሎ ፍሽኽታ፡ ቅንዕና ይንበብ፡ ጽባቐ ይንጸባረቕ፡ ሓቦን ጽንዓትን ከኣ፥ ንግዚኡ ኣብዛ ስእሊ ይኽወል ኣሎ። ምኽንያቱ ብርሃን ዝዓሰሎ ሕያውነት፡ ኣብ ቅድሚት ደው ስለዝበለ። ብድሕሪዚ ትርኢት እዚ ግን፡ እቲ ንእስነት፣ እቲ ስሓቕ፣ እቲ ምቑር ግዜ እናሓለፈ፡ ናብ ዲቕ ዝበለ ቃልሲ ህይወት ምስ ሰገረ፡ ኣብ ውሽጢ መንእሰይ ነጪ ዝተሃንጸ ገደብ ዘይብሉ ዓቕሚ፡ ንህይወት ንሕማም ንስደት፡ እናሰዓረ፡ ኣብቲ "ተመስገን" ዝብሃሎ መድረኽ የእትይዋ ይርከብ።
ካብ ቃልሲ ኲናት ናብ መድረኽ ስነ-ጥበብ
እዚ ንርእዮ ዘለና ፍቕሪ ዝንበቦ ገጽ፡ ሓደ እዋን ኣብ ግዜ ቁልዕነት ዝነበሮ ጉስነትን ክብደቱን፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞን ምረቱን፡ ድምቀቱ ዘይነከየ መልክዕ ነይርዎ። ኣብ ክልቲኣቱ መድረኻት፡ ዕዮታት ነይሩ፡ ቃልሲ ነይሩ፡ ስሓቕ ነይሩ፡ ሓዘን ነይሩ፡ ጽጋብ ነይሩ፡ ጥምየት እውን ነይሩ—ኩሉ ነይሩ። ሽዑ ዝተወልደ ንሓዋሩ ዝነብር ሓያል ሃብቲ ግን ተወሊዱ፣ ጥበብ። እወ፣ ስነ-ጥበብ!
እዛ ሎሚ ኣብ ጥርዚ ተዋስኦ ሃገርና ዘላ ነጪ፡ ምስ ህይወት ከቢድ ዝምድና እኳ እንተለዋ፡ ከምቲ ምስ ጥበብ ዘለዎ ግና ኣይኮነን። ጓሳ፡ ተጋዳሊት፡ ኣደ፡ ጥራይ ዘይኮነት፤ ኣብ መስርዕ ቅድድም ህይወት ድሕሪት ንዘይምትራፍ እውን፡ ንትምህርቲ እተሰለፈት መስተንክራዊት ሰብ እያ።
ኣብ ከምዚ ግዜ ዝተሃንጸት ባህሪ ጥበብ ከኣ፡ ነታ "ኣደ" ትብል ፍልይቲ ውክልና ኣዴታት ዝኾነት፡ ኣብ ፊልም "እታ ኣደ"፡ ሓቀኛ ኣደ ኮይና ክትወጽእ ክኢላ። ጻዕሪ፡ ሓቦ፡ ጅግንነት ግርማ ለቢሳ ከኣ መስተንክራዊት ኤርትራዊት ኣደ ኮፍ ኢላ ከም ትራኣየና ጌራ። ብቕዓትን ዝናን ነጪ ፍስሓጽዮን ገና ካብ ቁልዕነት ዝነቐለ እዩ፤ ከም ኣብዛ ፊልም እዚኣ ግን ብቐሊሉ ሰማይ ኣይዓረገን። ጉዕዞ ህይወትን ጉዕዞ ጥበብን ንቕድሚት እናኸደ፡ ንግዜኡ ሕማምን ስደትን ማዕበል ፈተናታት እኳ እንተገጠማ፡ ኢዳ ንፈተናታት ከይሃበት ንኹሉ ስዒራቶ። በቲ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህባ ቀጻሊ መንፈስ፡ ከምኡ እውን ኣብ ጎና ደው ዝበሉ ኣሓትን ኣሕዋትን ድማ ትእምርቲ ዓወት ኮይና።
ውርሻ ፍቕርን ስድራቤታዊ ሓድነትን
ነጪ ኣብ ጎድኒ ኣሓታን ኣሕዋታን ተጋደልቲ ተሰሊፋ ተጋዲላትልና፤ ንቃልስና፡ ታሪኽናን ህይወትናን ድማ ብጥበብ ኣርእያትና። ኣብዚ ግን ደው ኣይበለትን። ኣርባዕተ ምሩጻት፡ እሩማት፡ ንፉዓት ደቃ የዕብያን፡ ጓል-ጓላ ሓቒፋን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጽሩይ ኣበርክቶ ጌራ።
እዚ ዓወት እዚ ንበይና ኣይብሓተቶን፤ ነቲ ብፍቕሪ ረኺባ ብፍቕሪ ተኽብሮ በዓል ቤታ ልኡል ካሕሳይ እውን ዓቢ ጻማ ሃቢታቶ። እዚ ዅሉ ድንቂ ጉዕዞ፥ ትርጉሙ ሓደ ጥራይ እዩ—በረኸት!
ብርሃን ልቢን ጽንዓትን
ነጪ ፍስሓጽዮን፡ ጽንዕትን ዲስፕሊን ዘለዋን ሰብ እያ። ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ህይወታ፡ ኣብ ህይወታን ኣብ ህይወት ካልኦትን ዓቢ ኣሰር ኣለዎ። ትሰርሕ፡ ትጣበብ፡ ትሓስብ፡ ትዛረብ፡ ትስሕቕ፡ ትዋዘ እውን። ነጪ ፍቕሪ ጥራይ እያ ትፈልጥ፤ ጽልኢ ኣብ ልብኣ ቦታ የብሉን።
ንመረርቲ መከራታትን ፈተናታትን ህይወት፡ ብስራሕ፡ ብለውሃትን ብምስጋናን ሰጊራቶ፤ ገና እውን ትሰግሮ ኣላ። ብዙሕ ዝብሃግ ነጥታት ህይወት፡ ኣብዛ ንርእያ ዘለና ነጪ ብግቡእ ተወኪሉ፡ ተኸዊሉ እውን ኣለዎ። ስለዚ ከኣ እዩ፡ ነዚ ህያው ትርጉም ዘለዎ ህይወት ነጪ፡ ብኸምዚ መንገዲ ብእዋኑ ክሕንጠጥ ዘለዎ።
ጽንዓት!
ኣብ ሓደ ናይ ቀትር ግዜ፡ ኣብ ፍራንክፉርት—ጀርመን ኣብ ዝርከብ ገዛ ነጪ ፍስሓጽዮን፡ ዋዕ ዝበለ ፍንጃል ቡን እናሰተና ኮፍ ኢልና ነይርና። ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ እዩ። ቡን ፈሊሓ፡ ጥዑም ግዜ ይሓልፍ ኣሎ። እቲ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ኣየር ብታሪኽን ብዕሙቕ ዝበለ ናይ ህይወት ተመክሮታትን ዝተመልአ ነበረ።
"ነጪ..." በልክዋ፡ ላፕቶፐይ ከፊተ ክጽሕፎ ዝነጻሕኩ መስመር ሓሳብ ኣቋሪጸ። "ሕጂስ ከይዱ ኣርባዕተ ምሉኣት ዓመታት ኮይኑ፤ ኣይገርምን፧ ዝገርም እኮ እዩ፡ ግዜ ከመይ እዩ ዝሕምበብ! ዛንታ ነጪ ፍስሓጽዮን ተጻሒፉ፡ ተንጠልጢሉ፡ ደው ኢሉ፡ ተሲኡ ቀጺሉ... ኣብ መወዳእታ እውን ሓርፋፍ መልክዑ ሒዙ። ልቢ ዝዓቖሮ ታሪኽ ተጎርጊሩ ከም ዘይሓልፍ፡ ዝጠቕም ፍረ ኮይኑ ወጺኡ። ንስኺ ታሪኽኪ ይጽሓፍ ከም ዘሎ ከይፈለጥኪ ነዊሕ ከይድኪ፤ ኣነ ግን ታሪኽኪ ንወዲ ሰብ ብርሃን ምዃኑ ኣሚነ፡ ብስቕታ ተመራሚረ ጽሒፈዮ። ታሪኽኪ ናትኪ ጥራይ ኣይኮነን—ናይ ኩላቶም ደቂ ሰባት ታሪኽ እዩ። ክብርታት ዝሓቖፈ መልእኽትታት ዘለዎ እዩ። ቅንዕና፡ ውህበት፡ ፍቕሪን ጽንዓትን ከም ኣዕኑድ ዘቖምዎ ዛንታ።
ኣይገርመክን ነጪ፡ እቶም ንዛንታኺ እጽሕፎ ከም ዘለኹ ዝፈልጡ ሰባት፡ ‘ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ወሲዱልካ፧’ ብሕቶ ጠቕ እዮም ዘብሉኒ። ንሳቶም ዘይተገንዘብዎ ነገር፡ ኣነ ንጉዕዞን ፍጻሜታትን ነጪ ፍስሓጽዮን ጥራይ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ። ‘ጓሳ ነይራ፡ ተጋዳሊት ኮይና፡ ደሓር ከኣ ተዋሳኢት...’ ዝብል መሰልከይ ቅዲ ክኽተል ኣይመረጽኩን። ልቢ ናይ ዝኾነ ኣብዛ መሬት ዝነብር ፍጥረት ሰብ ዝትንክፍ፡ ብቕዓት ዘለዎ ጥበብ እየ ከቕርብ ብሂገ።"
ነጪ ነታ ፍንጃላ ኣልዕል ኣቢላ ቅሩብ ፊት እናበለት፡ ብዓቢ ፍሽኽታን ኣኽብሮትን ጠመተትኒ።
"ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ ግርሜሶ..." በለት። "ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ኣነን ንስኻን ንፈልጦ፡ ንዓይን ንዓኻን ዘጋጠመ ከበድቲ እዋናት ኩሉ ኣብኡ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣርባዕተ ዓመታት ከኣ..." እናበለት ወሰኸት፡ "ሓደ ሓደ ግዜስ ‘ንምንታይ እዩ ህይወትን ታሪኽ ወዲ ሰብን ክንድዚ ይጽቐጥን ይፍተንን፧’ ትብል ኢኻ። ስለዚስ ኣርባዕተ ዓመት ተጻሒፉ ጥራይ ኣይኮነን፡ ተነቢሩሉ እውን እዩ—እቲ ሓቀኛ ዕረን መዓርን ዘለዎ ጉዕዞ ህይወት።"
"ደይ ከምኣ እያ ህይወት! ከምዛ ህይወትኪ..." በልክዋ ኣነ ኸኣ። "ከም ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ዓዲ ወርሒ ሰብ—ዓያይትን ጽንዕትን፤ ከም ሓንቲ ንእሽቶይ ተጋዳሊት—ተቓላሲትን ጽንዕትን፤ ከም ሓዳስ ንናይ ከተማ ህይወትን ሓዳርን—ንፉዕቲ ብዓልቲ ቤትን ኣደን፤ ከም ስደተኛ—ጸውርን ኣርሒቓ ጠማቲትን... ከም... ከም... እናበልና ነዊሕ ምበልና። ግን ሓንቲ ትደጋገም ቃል ኣላ ኣብዚ ዝብለኪ ዘለኹ፦ ጽንዓት!
ጽንዓትኪ ካበይ መጺኡ፧ ካብ ገድሊ፧ ካብ ገድሊ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ስድራኺ፧ ካብ ስድራኺ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ጽንዓት ካብ ፍጥረት ወዲ ሰብ እዩ መጺኡ! ወዲ ሰብ ጽኑዕ እዩ። ወዲ ሰብ ነዛ መሬት ኣብቲ በረድ ዘለዎ ቦታ እኳ ብበረድ ገዛ ሰሪሑ ዝኸይድ ፍሉይ ፍጥረት እዩ። ንስኺ ኣካል እዚ ዛንታ እዚ ኢኺ። ዛንታኺ ኣብ ውሽጢ ወዲ ሰብ እየ ዝኣስሮ ኣነ። ኣዴኺ ኣደይ ጽርሃ፡ ኣቦኺ ኣቦይ ፍስሓጽዮን፡ ዓዲኺ ዓዲ ወርሒ ሰብ... ኩላቶም ሰባትን ናይ ሰባት ዛንታን እዮም ዘለዎም። ንስኺ ካብ ጉስነት ናብ ገድሊ፡ ካብ ገድሊ ናብ ሓዳርን በሪኽ ደረጃ ጥበብን፡ ካብኡ ከኣ ናብ ሕማምን ሃንደበታዊ ስደትን፡ ካብኡ ናብ ትንሳኤን ሕውየትን - ትስፉው ጽባሕ... ርኣይዮ እሞ እቲ መስመር! እዚ መስመር እዚ ኢኺ ነጪ። ኣብዚ መስመር እዚ ኸኣ ትንፋስ ሰብ ኣሎ—ትንፋስ ኩሉ ወዲ ሰብ።"
ነጪ "ሓቕኻ" ክትብል ግዜ ኣይረኸበትን። ሓንቲ ዝረኸበታ ግዜ፡ ድሕሪት ተመሊሳ ኣብ ሓሳብ ክትጥሕል ጥራይ እያ ነይራ። ናብቲ ተኸፊቱ ዝነበረ መስኮት ገጻ ኣቕንዐት፤ እቲ ፍስህ ኢሉ ዝነበረ ውጅሃ ናብ ከቢድ ስምዒት ተሸመ። ኣብቲ መንፈሳ ኣትየ ክርእያ ፈተንኩ፤ ኣብቲ ዝሓለፈቶ መሪር ቃንዛን መጥባሕትን ከም ዝኣተወት ገመትኩ። ምፍልላይ፡ ናፍቖት ብዓል ቤታን ደቃን፡ ስደትን ምረቱን... ወሳሲኻ ኣብ ማዕበል ስምዒታት ትገማዳሕ ከም ዘላ ተራእየትኒ። ኣይኮለፍክዋን። ከምኡ ኢለ እንተገደፍክዋ ነቲ ዝኽርን ዕምቖትን ኣጸቢቓ ግዜ ምስ በልዓትሉ ግን፡ ኣፍኩስ ኣቢለ ትርር ዝበላ ሓቅታት ብብሓንቲ እናንጠብኩ ናብቲ ናይተይን ናታን ዕላል መለስክዋ።
"ህይወት ቀላል ኣይኮነትን... ኩሉ ጸልማት ዝኾነሉ እዋን ዘይስገር ይመስል፡ ግን ከኣ..." —ነጪ መሊሳ ኣብቲ ዝጸንሓቶ ናይ ሓሳብ ማዕበል ከይትምለስ ብምስጋእ እታ ሓሳብ ኣይመላእክዋን።
"ኣምላኽ ብሩኽ እዩ!" ምስ በልክዋ፡ "ብሩኽ እወ- ኣንታ ግርሜሶ ሓወይ!" በለት፡ ብሓዲሽ መንፈስ ናብቲ ህያው ግዜ ከም ዝተመልሰት ብዘበሰረ ናይ ሓጐስ ድምጺ።
"ጸልማት ሰጊርኪ ዝበጻሕክዮ ተኣምር ርኣዪ ነጪ!" በልክዋ። "ኣብ መወዳእታስ ጓል ጓልኪ እኳ ሓቒፍኪ! እቲ ብግብርን ብፍቕሪን ብቁውም ነገርን ብስሓቕን ምሳኺ ዝህሉ፡ ወትሩ ምሳኺ ደው ዝብል ክቡር ብዓል ቤትኪ እኳ- ድሕሪ መሪር ናይ ዓመታት ምፍልላይ ረኺብክዮ። ነዚ ኩሉ ነገር እዚ ሽም ኣለዎ፦ በረኸት! ርኣዪ፡ ኣብ ህይወት ሰሪሕካ፡ ጽዒርካ፡ ተጋዲልካ ጥራይ ኣይኮነን ዕረፍቲ ዝርከብ፤ በረኸት እውን ክፈሶ ኣለዎ።"
ክብላ ከለኹ፡ ካብ መዓስ ጀሚረ ነቲ ዘረባ ከም ዝፈለምክዎ ድሮ ረሲዐዮ ነበርኩ። ነጪ ብሓጐስ ፊሽኽ ምስ በለት ድማ፡
"ስለዚ- ተራ ዛንታ ኣይኮነን ዝጽሓፍ ዘሎ!" በልክዋ። "ናይ ጉስነት መንፈስ፡ ናይ ቃልሲ ጽንዓት፡ ናይ ኣደነት ሓላፍነት፡ ናይ ጥበብ ብቕዓት፡ ናይ ተመስገን ህይወት... ንሓድሕዱ ተጠናኒጉ፡ ግሁድ ህያው- ትንፋስ ዝተዘርኦ ዓቢ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ታሪኽ እዚ ከኣ: ናይ ምሉእ ዓለም ታሪኽ እዩ—ኣብ ውሽጡ: ኩሉ ሰብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ን ነብሱ ክረክብ እዩ!" በልኩ።
ማሕተም ስነ-ጥበብ
ሃብቶም፡ ነቲ ብኢደይ ዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ኣልዕል ኣቢሉ ኣንበቦ። ምሳይ ከሎ፡ ምሳይ ዘይነበረ መሲሉ ሓዞ። ዓይኑ ዓይኑ እናጠመትኩ፡ ቀው ኢለ ተጸበኽዎ።
— ኣንታ ግርማይ፡ እዚ ጽሑፍ ኣይኮነን።
— እንታይ ድኣ እዩ፧ — ወትሩ ንነገራት ብነቐፌታ ጥራይ ዝጥምት ሃብቶም፡ ነዛ ዕዮ ክናኣእሳ ድዩ ደልዩ፧ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝወረረኒ፡ — ኢሂ፡ እንታይ እዩ ኮይኑ፧ ሓተትኩ።
— ኣንታ እዚ ጽሑፍ ኣይኮነን እኮ እየ ዝብለካ ዘለኹ።
— እንታይ ድኣ እዩ እሞ፧
— ነዚ ስእሊ ንእስነታ ኣሰኒዩ ምስ መጸ ከኣ እሞ... ፍጹም ጽሑፍ ኣይኮነን!
— እንታይ እዩ ኮይኑ፧
— ንእስነት፡ ጽባቐ፡ ፍሽኽታ፡ ምቕልልና... ከምኡ እውን ሓያል መንፈስ ኣሎ ኣብዚ ገጻ። ነዚ ከኣ ብገለ ዓይነት ጽሑፍ ገሊጽካዮ።
— ንእስነት ከደት እያ፡ ከምዚኣ እናበለት እየ... ከምዚኣ እናበለት... ድዩ ኮይኑካ እሞ፧ ርኤኻ ሃብቶም፡ ንሱ እዩ ነዚ ጽሑፍ ክትንዕቖ ዝድርኸካ ዘሎ፧ ንእስነት ጠፊኡ።
— ኣይጠፍአን! ኣይሓለፈን! — ብሓይሊ ድምጹ ኣዕረገ። — ኣሎ። ነዚ ዝገብር ዘሎ ኸኣ- እቲ ኣጽሓፋኻ እዩ። ጽሑፍ ኣይኮነን ዝበልክዎ፡ ጥበብ ስለ ዝኾነ እዩ፤ ንስኻ ድማ ጥበበኛ ኢኻ።
— እዋእ ብሓቂ፧ ትንእደኒ ዲኻ ዘለኻ፧ ምረትን ስደትን ዝተደራረቦ ጉዕዞ ህይወት ነጪስ... ጥበብ ኣይሕዞ ብርዒ።
— ሒዝዎ! ገጥ ኣቢሉ እምበር ሒዝዎ! እቲ ‘ጽንዓት’ ዝብል ቃልካ እሞ ተተመሊስካ ባዕልኻ አንብቦ። ኩሉ እኳ እዩ ጽኑዕ ኮይኑ—ታሪኻ፡ ንሳ፡ ንስኻ፡ ወላ እዛ ብርዕኻ። ጽንዓት ዋዛ ዘይኮነ ቃል ምዃና እፈልጥ እየ፤ ሕጂ ትፈጥሮ ዘላ ትርጉም ግን ዝገርም እዩ... ዝገርም!
— እወ... ብሓቂ።
— እንታይ ኢኻ ኢልካ፧ ‘ጽንዓት ወላ ካብ በረድ እዩ ዝመጽእ። ወላ ብበረድ ጌርካ ጽንዓት ሃኒጽካ፡ ጸኒዕካ ክትጉዓዝ ትኽእል ኢኻ’ እኳ ኢልካ ዘለኻ... እዚስ ፍልስፍና እዩ! ነጪ ክብርትን ብልጽትን ተዋሳኢት እያ። ብመሳጢ መንገዲ ከኣ ትግለጽ ኣላ። ነቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍና ዘንበረቶ ዓብይ ናይ ተዋስኦ ኣበርክቶኣ፡ ብዘይበሊ ቃላት ህያው ከይኑ ከም ዝነብር ክህነጽ ጀሚሩ ኣሎ። ነጪ ብፍላይ ኣብታ ‘እታ ኣደ’ ክርእያ ከለኹ—ማሕተም ስነ-ጥበብ እያ፤ ዘይትሃስስ ማሕተም። ሕጂ ኸኣ... ርኣዮ! ኣብ ካልእ ግዜ፡ ኣብ ካልእ መድረኽ፡ ብስደትን ብሓድሽ ህይወትን ምስ ተፈተነት... በታ ለውሃታ፡ በታ ሓቦኣ፡ በታ ጽንዓታ—ሰሊል ኢላ ዘይኮነስ፡ ሓርጎጽጎጽ እናበለት—ዳግማይ ኣብ ብራኸ ትወጽእ ኣላ። ከምዚ እዩ ህይወት... ከምዚ ምዕራፍ! በዚ ዛንታ እዚ ኣነ ልበይ ይትንከፍ ኣሎ፤ ልቢ ኩሉ ሰብ ከም ዝትንከፍን ዓብይ ትምህርቲ ህይወት ከም ዝረኽበሉን ድማ ቅንጣብ ጥርጥር የብለይን። ነጪ ሓንቲ ንእስ ዝበለት ግን ከኣ- ናብ ሓደ ዓብዪ ኣደራሽ ህይወት ተእቱ ሰብ- መሲላ ትርኣየን ኣላ... እሞ ብሓጎስ ተጨዲደ እየ! ንደቅና ኣብነት ዝኸውን ቁጽሪ ዘይብሉ ትምህርቲ ክርከባ እዩ እዛ ዛንታ። እቲ ኩሉ ግዜ ትነግረኒ—በዓልቤታ ኣብኣ ዘለዎ ፍቕርን ኣኽብሮትን፡ እቲ ንሳ ማልስ ከይተጸበየት ትልግሰሉ ፍቕርን ሓልዮትን—ነቶም ኣብ ፍቕርን ሓዳርን ንነብር ደቂ ሰባት ዓብዪ ሓውልቲ ፍቕሪ ኮይኑ ከገልግለናን ኣብነት ክኾነናን እዩ... ንሱ እውን ክትእትዎ እንተዄይንካ!" እዛ ንነጪ ትሕንጥጣ ዘላ ብርዒስ ክሳብ መወዳእታ ዛንታ ነጪ ጥራይ ዘይኮነ—ክሳብ ኣጸቢቑ ክንዮኡ ዝኸይድ መዋእል ት ቐጽልን ት ሰ ስንን።